SKIP TO MAIN CONTENT

መርከብ ውግእ ሩስያ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣትያ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቡ ነይሩ ።

Capture.JPG
Credit: @Hawelti

1 min read

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to article content

ኣብ' ቲ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ ኣብ ውጥረት ዝርከብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ፡ ሓንቲ ናይ ሩስያ ሓይሊ ባሕሪ ውግእ መርከብ፡ ኣብ ቀንዲ ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ባጽዕ በጺሓ ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ሰበ-ስልጣንን ንመርከብ ፡ ማርሻል ሺንኮቭ ፡ ብሓሙስ ኣብ ኣተወትሉ እዋን ተቐቢሎማ ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቡ ነይሩ ።

ብመሰረት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ / መስቀል ፡ እታ መርከብ ብሩሲያ ፓሲፊክ ትውነን እያ ።

ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እዚ ን "መበል 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሩስያን ኤርትራን" ንምኽባር ከም ዝዀነ ገሊጹ ።

ኣብዚ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዝጓዓዛ ንግዳውን ወተሃደራውን መራኽብ ብሖቲ ካብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊሩ ይርከብ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now