ኣብ' ቲ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ ኣብ ውጥረት ዝርከብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ፡ ሓንቲ ናይ ሩስያ ሓይሊ ባሕሪ ውግእ መርከብ፡ ኣብ ቀንዲ ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ባጽዕ በጺሓ ።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ሰበ-ስልጣንን ንመርከብ ፡ ማርሻል ሺንኮቭ ፡ ብሓሙስ ኣብ ኣተወትሉ እዋን ተቐቢሎማ ።
ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቡ ነይሩ ።
ብመሰረት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ / መስቀል ፡ እታ መርከብ ብሩሲያ ፓሲፊክ ትውነን እያ ።
ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እዚ ን "መበል 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሩስያን ኤርትራን" ንምኽባር ከም ዝዀነ ገሊጹ ።
ኣብዚ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዝጓዓዛ ንግዳውን ወተሃደራውን መራኽብ ብሖቲ ካብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊሩ ይርከብ።