ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኬኒያ፡ ዊሊያም ሩቶ ብድምጺ ይመርሕ ኣሎ።

ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ፡ እቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ንህዝቢ ዝቐረበ ወግዓዊ መረጋገጺ ውጽኢት ፡ ሩቶ 51% ድምጺ ከም ዝረኸበን፡ ካብቲ ጸጋማዊ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ 48% ድምጺይስዕብ ከምዘሎን ተገሊጹ ።

Kenya election

ምክትል ፕረሲደንት ዊሊያም ሩቶ፡ ፕረሲደንታዊ ሕጹይ ናይ United Democratic Alliance (UDA) REUTERS Credit: Beyene Weldegiorgis

ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ፡ ኣብቲ ጽዑቕ ፕረዚደንታዊ ንሕንሕ ይመርሕ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ኬንያ ብሰንበት ዝዘርግሓኦ ወግዓዊ ውጽኢት ኣፍሊጠን። ወከልቲ ሰልፊ፡ ምጥፍፋእ ድምጺ ይርአ ኣሎ ኢሎም ድሕሪ ምኽሳስ ፡ ኣባላት ፖሊስ ተወሳኺ ናዕቢ ከይካየድ ኣብቲ ድምጺ ዝቑጸረሉ ነቑጣታት ብብዝሒ ተዋፊሮም ኣለዉ ።

እታ ሃገር ካብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ እተኻየደ ምርጫ ወግዓዊ ውጽኢት ክትረክብ ትጽቢት ኣብ ዝግበረላ እዋን ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሻት መድመጺ ብርቱዕ ውጥረት ሰፊኑ ይርከብ ።
ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ፡ እቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ንህዝቢ ዝቐረበ ወግዓዊ መረጋገጺ ውጽኢት ፡ ሩቶ 51% ድምጺ ከም ዝረኸበን፡ ካብቲ ጸጋማዊ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ 48% ድምጺይስዕብ ከምዘሎን ተገሊጹ ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ ድምጺ ምቑጻር ዝተዋህበ ዘናዕብ ዘረባታት ኮሚሽን ምርጫ ንህዝቢ ወግዓዊ ውጽ ኢት ከየቕርብ ብምጉታቱ ህዝቢ ኬንያ ኣብሻቕሎት ሸሚምዎ ኣሎ። ኣብታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሃብተመትን ርጉእትን ሃገር ዝዀነት ኬንያ፡ ድሕሪ ዝግበር ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ናዕቢ ከምዝለዓልን ህይወት ሰባት ከምዝጠፍኡን ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ።
ብቀዳም ብወግዒ ዝተረጋገጸ ውጽኢት ፡ ልዕሊ ርብዒ ድምጺ ዝተቖጽረ ኮይኑ ፡ ንኦዲንጋ 54% ድምጺ ብምርካብ ኣብ መሪሕነት ከእትዎ ከሎ ፡ ሩቶ 45% ድማ ድምጺ ረኺቡ ኔሩ ። እቲ ተዓዋቲ ተባሂሉ ዝግለጽ ልዕሊ 50%+ ሓደ ድምጺ ክረክብ ኣለዎ ። ብተወሳኺ ካብ 47 ግዝ ኣታት ኬንያ እቲ ተዓዋቲ ሰልፊ ብውሕዱ ኣብ 24 ግዝ ኣታት ክዕወት ኣለዎ። እቲ ኮሚሽን መን ከምዝተዓወተ ንኽእውጅ ሸውዓተ መዓልታት ኣለዎ ።

ብሰንበት 263 ካብ 291 ናይ ፓርላመንታዊ ውክልና ኣብ መሪሕነት ሩቶ ብትሕቲ 52% ፡ ኦዲንጋ ድማ ብ47.5% ይመራርሑ ኣለዉ ። ክልተ ሕጹያት ብድምር ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ዝረኸቡ እዮም ።

ኣብ 2007 ድሕሪ ምርጫ ብዝተፈጥረ ዕግርግር እተፈጸመ ዓመጽ ፡1,200 ሰባት ተቐትሉ፡ ኣብ 2017 ድማ ልዕሊ ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ምስ ተቐቲሎም ።

Share

Published

Updated

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service