ጓል 34 ሱዕዳዊት ነጣፊት ፖለቲካ ኣብ ትዊተር ብዝለጠፈቶ ትሕዝቶ ን 34 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪድዋ።

ጓል 34 ዓመት ስዑዳዊት ሰበይቲ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝማስኑ ዘለዉ ክፍትሑ ፡ ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሓቶ መልእኽቲ ን34 ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ ብተወሳኺ ን34 ዓመት ናይ ጉዕዞ ማዕቀብ ተጌሩዋ።

alshehab family.jpg

Salma al-Shehab with her husband and two sons. Source: Twitter

ትሕዝቶ
  • ኣል-ሸሃብ ካብቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንነዊኅ እዋን ኣድልዎ ዘጋጠሞም ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ዝዀኑ ውሑዳን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እያ።
  • ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ፡ ንዕረፍቲ ኣብ ዝነበረት እዋን ፡ ቅድሚ እቲ ናብ ትቕመጠሉ ዓዲ-እንግሊዝ ንኽትምለስ ቅሩብ መዓልትታት ምስተረፋ'ያ፡ ተኣሲራ።
ቤት ፍርዲ ግብረ ሽበራ ስዑዲ ንሓንቲ ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ምህርቲን ን34 ዓመታት ክትእሰር ፈሪድዋ ኣሎ ፡ ብድሕሪኡ ን34 ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ጉዕዞ እገዳ ተፈሪድዋ። እዚ ብኽሲ ኣብታ ሃገር መሰረታዊ መሰላት ንኽወሃቦም ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣብ ትዊተር መልእኽቲ ስለዝለጠፈት እያ።
ኣብ ልዕሊ ጓል 34 ዓመት ሳልማ ኣል-ሸሃብ ዝተፈርደ ፍርዲ ፣ ንናይ ስዑዲ ደቂ ኣንስትዮ ተጣባቒ መሰላት ካብ ዝተዋህበ ዝነውሐ ማእሰርቲ ኮይኑ ፣ እዚ ድማ ኣብ ዘውዳዊ መሓመድ ቢን ሳልማን (MBS) ዘሎ ኣብልዕሊ ዝቃወሙ ምዕጻው ዘመልክት እዩ ።
ኣብ ጥሪ 2021 ኣደ ደቂ ኣርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተን ዝዕድሚኦም ክልተ ኣወዳት ሒዛ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዕረፍቲ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን እያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጐነት: ኣብቲ ግዜ እቲ ናብቲ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዝርከብ መንበሪኣ ክትምለስ መደብ ነበራ: ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ናይ ፒኤችዲ ሕጹይ ተማሃሪት እያ ዝነበረት ።

ሚስ ኣል-ሸሃብ ካብቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንነዊኅ እዋን ኣድልዎ ዘጋጠሞም ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ዝዀኑ ውሑዳን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እያ ።
ኣብ ኢንስቲቱት ናጽነት ናይ ስዑዲያ ሓላፊት ዝዀነት ቢታንያ ኣል-ሓይዳሪ ፡ "ስዑዲ-ዓረብ ፡ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ የመሓይሻን ሕጋዊ ለውጢ የምጽእን ኢላ ንዓለም ተጃሂራ እያ ፣ ኰይኑ ግና ፡ እዚ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ እዚ ፡ እቲ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘተሓታትት ኣይኰነን" ።
"ማሕመድ ቢን ሳልማን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምግሃስ መሰላት ኣብ ምምራሕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓይሊ ዝረኸበ ኰይኑ እንተ ተሰምዖ ዘገርም ኣይኰነን ። ናብ ተሓታትነት ዝመርሕ ናይ ሓቂ ስጕምትታት እንተ ዘይብልካ ። ንኣሽቱ ደቃ ብዘይ ኣደ ከይዓብዩ ሰበስልጣን ስዑዲ ንሳልማ ክፈትሕዋ ኣለዎም ። ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናጽነት ክረኽቡ ስለ ዝጸውዐት ጥራይ እያ ተኣሲራ ዘላ ። "
እቲ ን ኣል-ሸሃብ ዝተዋህበ ብይን ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሶ ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ እትጣበቕ ሉጃን ኣል-ሃትሉል ትድግፍ ከም ዝነበረት ፡ ነጻ ክትወጽእ ጻውዒት ኣቕሪባ ።
እቲ ናይ ትዊተሩ ኣካውንታ @I_Salma1988 ዝዀነ ሳልማ ኣል-ሸሃብ ፡ ሓብቲ ሉጃን ዝዀነት ናይ ሊና ኣልሃትሉል ፡ ዝለጠፈቶ ብምዝርግሓ (ሪትዊት ብምግባራ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወት እዩ ዝእመን ።
እቲ ብሊናኣብ 1 ጥሪ 2021 ብቋንቋታት ዓረብኛ ዝተጻሕፈ፡ "ንሉጃን ኣል-ሃትሉል... ሓርነት፡ ኵሎም እሱራት ሕልና ነጻነት። እቲ ናትኩም ናጽነት ፡ ናይ ሓዳስ ዓመት ናይ መጀመርታ ትምኒተይ እዩ" ።
SAUDI-US-POLITICS-DIPLOMACY
ናይ ሱዕዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን (ካብ የማን ሳልሳይ ዘሎ) ብቐጻሊ ንተቓወምቲ ዝኣስር ዘሎ እዩ። Source: AFP / MANDEL NGAN/AFP via Getty Images
ኣል-ሸሃብ ኣብ ፈለማ መጋባኣያ ቤት ፍርዲ ንሽዱሽተ ዓመት እኳ እንተ ተፈርዳ ፡ እቲ ፍርዲ ግን ይግባይ ኣብ ዝተበሃለሉ እዋን ን34 ዓመት ደይቡ፣ እዚ ከኣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዚነብር ተጣባቒ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ፍርዲ እዩ ነይሩ ።
ሚስ ኣል-ሃትሉል ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትሕቲ እገዳ መገሻ ዝጸንሐት ኰይና ፡ ሚስ ኣል-ሸባብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወትያ ሒደት ሰሙናት ጸኒሓ ተፈቲሓ ።

ሚስ ኣል-ሓይዳሪ ማሕበረሰብ ዓለም ጉዳያ ከልዕልን ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ንስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ክገብርን ጸዊዓ።
ካብ 2004 ክሳዕ 2019 ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ ኰይና ዘገልገለት ኣና ጎመስ ፖርቱጋላዊት ዲፕሎማሰኛ ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብዛዕባ ዝኣተወት ኣል-ሸሃብ ቝጥዓኣ ንምግላጽ ናብ ትዊተር እያ ከይዳ ።
ንሳ ኣብ ትዊተር ከምዚ ክትብል ጽሒፋ ፡ "ሳልማ ኣል ሸሃባብ ናጻ ትውጻእ! Free #SaudiArabia ። ገባቲ መሓመድ ቢን ሳልማን ጨካን ኢካ። "


# #FreeSalma ኣብ ትዊተር ብተጣበቕቲ ሰባት ናይ ሃሽታግ ወፈራ ተፈጢሩ ኣሎ ።

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service