ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝተፈልየ መእተዊ ናብ ቤት መግቢን ኣብዉሽጢ ምስኣተዋ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝፈሊ መቐመጢ ዝእዝዝ መምርሒ አልጊሳቶ።
እዚ መንግስቲ ካብቲ ብዙሕ ንነዊሕ ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ዓቃባዊ ነገራት ሓደ ስጉምቲ እዩ።
እዚ ውሳነ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ፍልልይ ጾታ ደው ዘብል መምርሒ ኮይኑ፤ ብሰንበትዩ ብሙኒሲፓሊቲን ናይ ገጠር ጉዳያት ሚኒስተር ብሰላሕታን ብብዙሕ ቃላት ተቓሚሙን ተገሊጹ።

ኣብ ባሕራዊያን ከተማታት ጂዳን ርያድን ዝርከባ ኣብያተ መግቢን ካፌታትን ድሮ ዘይዛመዱ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ብነጻነት አብድላዮም ኮፍ ክብሉ አፍቂደን አለዋ። እዚ ስጉምቲ ንዝጸንሐ አተሓሳስባ ዓቃባዊ አተሓሳስባታት ማለት ጾታዊ ፍልልይ ሃይማኖታዊ ግደታት ምዃኑ ንዝ አምኑ ልምዲ ገለ ሱዕዳዊያን ዘዕኑ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰራርሓ አብተን እስላማዊያን ጎረባብቲ ሃገራት ተመሳሳሊ መምርሒ የለን።
አብ መላእ ሱዕዲ ዓረብ ክትግበር ዝጸንሐ መምርሒ፡ ዘይዛመዱ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብሓንሳብ ክረኣዩ የብሎምን። ብመንግስቲ ዝመሓደሩ ኣብያተ ትምህርቲ ዩኒቨርሲታትን ኣብ ናይ ሱዕዳዊያን መርዓታት ከይተረፈ እዚ መምርሒ ዝስርሓሉ ዘሎ መምርሒ እዩ።
እቲ ዝጸንሐ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብሓንሳብ ከይ ኣትዉን ከይወጹን ከይረኣዩን ዝኽልክል መምርሒታት ብሱ ዕዳዊ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን አብዚ ቅሩብ እዋን ብዙሕ ምቅይያራት ክግበረሎም ጸኒሑ ኣሎ።

