ስዑዳዊ ጸሓፊ ራይፍ ባዳዊ ድሕሪ 10 ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

ስዑዲዊ ጸሓፋይ ራይፍ ባዳዊ ኣብ ዓዱ ን10 ዓመታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተፈትሐ በዓልቲ ቤቱ ትዛረብ ።

News

Ensaf Haidar holds a picture of her husband Raif Badawi after accepting the European Parliament's Sakharov human rights prize on behalf of her husband Source: Getty / PATRICK HERTZOG

እቲ ኣብ መላእ ዓለም ከም ምልክት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኰይኑ ዘሎ ስዑዳዊ ጸሓፊን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ረይፍ ባዳዊ ብ "ንእምነት ምስልምና ብምጽራፍ" ተኸሲሱ ን10 ዓመት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዓርቢ ተፈትሑ ።

"ራኢፍ ደዊሉለይ ። ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ ኣሎ።" ብምባል ኤንሳፍ ሃይዳር ምስ ሰለስተ ደቆም ኣብ ካናዳ እትነብርን ንኽፍታሕ ኣበርቲዓ ትጣበቐሉን ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ንኤይ.ኤፍ.ፒ. ሓቢራ ኣላ ።

ሚስተር ባዳዊ ካብ ማእሰርቲ ምውጻኡ ፡ ሓደ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ናይ ስዑዲ በዓል ስልጣን ጸጥታ እውን "ሎሚ ተፈቲሑ" ክብል ኣረጋጊጹ እዩ ።

"ምስ ፈለጥኩ ዘሊለ ። ክኣምን ኣይከኣልኩን ። ንኣቦይ ክርኢ ተሃንጥየ ኣለኹ" ነውጃ ባዳዊ ዝስማ ጓል 18 ዓመት ጓሉ ንአይኤፍፒ ተዛሪባ ።

ተዓዋቲ ብ ናይ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ንሓርነት ፕሬስ ዝወሃብ ሽልማት ፡ ሕጂ ወዲ 38 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ፡ ብ2012 ኣብ ስዑዲ ዓረብ "ንእስልምና ጸርፉ" ተባሂሉ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ፡ ኣብ መወዳእታ 2014 ከኣ ን10 ዓመት ክእሰር ፡ ንዕስራ ሰሙን ድማ ኣብ ሰሙን 50 ግዜ ክግረፍ ተፈሪዱ ።

እቲ ኣብ 2015 ኣብ ኣደባባይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጀዳ ንፈለማ ግዜ ዝተፈጸሞ መግረፍቲ ንዓለም ኣሰምቢዱዋ እዩ ፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ፡ "ጨካንን ኢሰብኣውን" ተባሂሉ ተገሊጹ። ድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ዝተሰምዐ ኩነነ ፡ መሊሱ ኣብ ኣደባባይ ኣይተገርፈን ነይሩ ።

"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ራፍ ባዳዊ ኣብ መወዳእታ ተፈቲሑ ኣሎ!" ክብል አምነስቲ ኢንተርናሽናል ብትዊተር ጽሒፉ ።

 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service