እቲ ኣብ መላእ ዓለም ከም ምልክት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኰይኑ ዘሎ ስዑዳዊ ጸሓፊን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ረይፍ ባዳዊ ብ "ንእምነት ምስልምና ብምጽራፍ" ተኸሲሱ ን10 ዓመት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዓርቢ ተፈትሑ ።
"ራኢፍ ደዊሉለይ ። ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ ኣሎ።" ብምባል ኤንሳፍ ሃይዳር ምስ ሰለስተ ደቆም ኣብ ካናዳ እትነብርን ንኽፍታሕ ኣበርቲዓ ትጣበቐሉን ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ንኤይ.ኤፍ.ፒ. ሓቢራ ኣላ ።
ሚስተር ባዳዊ ካብ ማእሰርቲ ምውጻኡ ፡ ሓደ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ናይ ስዑዲ በዓል ስልጣን ጸጥታ እውን "ሎሚ ተፈቲሑ" ክብል ኣረጋጊጹ እዩ ።
"ምስ ፈለጥኩ ዘሊለ ። ክኣምን ኣይከኣልኩን ። ንኣቦይ ክርኢ ተሃንጥየ ኣለኹ" ነውጃ ባዳዊ ዝስማ ጓል 18 ዓመት ጓሉ ንአይኤፍፒ ተዛሪባ ።
ተዓዋቲ ብ ናይ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ንሓርነት ፕሬስ ዝወሃብ ሽልማት ፡ ሕጂ ወዲ 38 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ፡ ብ2012 ኣብ ስዑዲ ዓረብ "ንእስልምና ጸርፉ" ተባሂሉ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ፡ ኣብ መወዳእታ 2014 ከኣ ን10 ዓመት ክእሰር ፡ ንዕስራ ሰሙን ድማ ኣብ ሰሙን 50 ግዜ ክግረፍ ተፈሪዱ ።
እቲ ኣብ 2015 ኣብ ኣደባባይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጀዳ ንፈለማ ግዜ ዝተፈጸሞ መግረፍቲ ንዓለም ኣሰምቢዱዋ እዩ ፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ፡ "ጨካንን ኢሰብኣውን" ተባሂሉ ተገሊጹ። ድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ዝተሰምዐ ኩነነ ፡ መሊሱ ኣብ ኣደባባይ ኣይተገርፈን ነይሩ ።
"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ራፍ ባዳዊ ኣብ መወዳእታ ተፈቲሑ ኣሎ!" ክብል አምነስቲ ኢንተርናሽናል ብትዊተር ጽሒፉ ።