ስዑዲ ዓረብ፡ ድሕሪ ለበዳ ዝዓበየ ናይ ሕጃ ነጋድያን ትቕበል።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋድያን ካብ ዓርቢ ኣትሒዞም ናብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እትርከብ ቅድስቲ ከተማ መካ ክኣትዉ ጀሚሮም ።

Haj

Muslim worshippers gather before the Kaaba at the Grand Mosque in Saudi Arabia's holy city of Mecca on 1 July, 2022. Source: Getty / -/AFP via Getty Images

ስዑዲ ዓረብ ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣምለኽቲ ትቕበል፡ ጐደናታት እታ ቅድስቲ ከተማ እስልምና ብነጋድያን ኣዕለቕሊቑ ይረአ ።

ሎሚ ዓመት ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ ብዝሒ ኣመንቲ እዩ መጺኡ ዝርከብ።

እታ ከተማ ንነጋድያን፡ እንተላይ እቶም ካብ 2019 ኣትሒዞም ናይ መጀመርታ ኣህጉራውያን በጻሕቲ ተቐቢላ ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታ ነታ ነብዪ መሓመድ እተወልደላ ጥንታዊት ከተማ ተቘጻጺሮምዋ ይረኣዩ ።

ሱዳናዊ ነጋዲ ዓብደል ቃደር ከደር ቅድሚ እቲ ረቡዕ ብወግዒ ዝጀምር ስነስርዓት ኣብ መካ "እዚ ፍሉይ ሓጐስ እዩ" ብምባል ንAFP ስምዒቱ ገሊጹ ።

"ኣብዚ ምህላወይ ዳርጋ ክኣምን ኣይከኣልኩን ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት እሕጐስ ኣለኹ "በለ ።

ሓደ ሚልዮን ሰባት ከምኡ'ውን 850,000 ዝርከብዎም ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ከቢድ ምዕጻው ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃጅ ክፍቀደሎም እዩ ። እዚ ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት ምስልምና ዝዀነ ጕዕዞ እዩ ፣ ኵሎም እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ድማ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ናብ መካ ከይዶም ክሰግዱ ኣለዎም ።

ብውሕዱ 650,000 ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ነጋድያን ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝበጽሑ ፡ ሰበ-ስልጣን ብሰንበት ሓቢሮም ።
News
Muslim worshippers gather to pray around the Kaaba, the holiest shrine in the Grand Mosque complex in Saudi Arabia's holy city of Mecca, to mark the end of the Source: AAP

ሰበ-ስልጣን ብሰኑይ ግን ንኣስታት 100,000 ዝዀኑ ሰባት ናብ መካ ከይኣትዉ ኸልኪሎምዎም: ኣብ ዙርያ እታ ቅድስቲ ከተማ ከኣ ናይ ጸጥታ ገመድ ኣሲሮም ። ሓደ ናይ ጸጥታ በዓል ስልጣን ከምዝገለጾ ፡ 288 ሰባት ብዘይ ፍቓድ ነቲ ሓጃ ክገብሩ ብምፍታኖም ከም እተታሕዙን ናይ ገንዘብ መቕጻእቲ ከም ዝተቐጽዑን ገሊጹ ።

ኣብ 2019 ፡ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት ኣብቲ ሕጃ ተኻፊሎም እዮም ፣ እዚ ጽምብላት እዚ ፡ ኣብ ከረን ዓራፋት ብምእካብ ፡ ኣብ ሚና "ንድያብሎስ ብዳርባ እምኒ ምውጋር" እውን ዘጠቓልል ስነስርዓት እዩ ።

ንዓመታኡ ፡ እቲ ለበዳ ምስተኸስተ ፡ወጻእተኛታት ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ፣ እቲ ሓጅ ናብ ዓለምለኻዊ መላብዒ እቲ ቫይረስ ንኸይከውን ፡ ን10,000 ኣመንቲ ጥራይ ክነግዱ ተፈቒድሎም ኔሩ።

እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ 2021 ናብ 60,000 ክብ ኢሉ ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ናይ ስዑዲ ዜጋታት ከምኡውን ተቐማጦ ክኣትዉ ተፈቒድሎም ።

ኣብዚ ዓመት "ዚ ፡ ትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥራይ ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ናይ ጽሬት ኣገባብ ክሳተፉ እዮም ።

እቲ ሓጅ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ሓደጋታት ኣጋጢምዎ እዩ ፣ ገለ ካብኡ ፡ እቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ብሰንኪ ጽቕጥቅጥ ምርግጋጽ ፡ ክሳዕ 2,300 ሰባት ቀቲሉ እዩ ፣ ብ1979 ድማ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ጠያይት 153 ከም ዝሞቱ ዝሕብር እዩ ።


 


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service