ስዑዲ ዓረብ ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣምለኽቲ ትቕበል፡ ጐደናታት እታ ቅድስቲ ከተማ እስልምና ብነጋድያን ኣዕለቕሊቑ ይረአ ።
ሎሚ ዓመት ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ ብዝሒ ኣመንቲ እዩ መጺኡ ዝርከብ።
እታ ከተማ ንነጋድያን፡ እንተላይ እቶም ካብ 2019 ኣትሒዞም ናይ መጀመርታ ኣህጉራውያን በጻሕቲ ተቐቢላ ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታ ነታ ነብዪ መሓመድ እተወልደላ ጥንታዊት ከተማ ተቘጻጺሮምዋ ይረኣዩ ።
ሱዳናዊ ነጋዲ ዓብደል ቃደር ከደር ቅድሚ እቲ ረቡዕ ብወግዒ ዝጀምር ስነስርዓት ኣብ መካ "እዚ ፍሉይ ሓጐስ እዩ" ብምባል ንAFP ስምዒቱ ገሊጹ ።
"ኣብዚ ምህላወይ ዳርጋ ክኣምን ኣይከኣልኩን ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት እሕጐስ ኣለኹ "በለ ።
ሓደ ሚልዮን ሰባት ከምኡ'ውን 850,000 ዝርከብዎም ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ከቢድ ምዕጻው ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃጅ ክፍቀደሎም እዩ ። እዚ ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት ምስልምና ዝዀነ ጕዕዞ እዩ ፣ ኵሎም እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ድማ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ናብ መካ ከይዶም ክሰግዱ ኣለዎም ።
ብውሕዱ 650,000 ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ነጋድያን ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝበጽሑ ፡ ሰበ-ስልጣን ብሰንበት ሓቢሮም ።

Muslim worshippers gather to pray around the Kaaba, the holiest shrine in the Grand Mosque complex in Saudi Arabia's holy city of Mecca, to mark the end of the Source: AAP
ሰበ-ስልጣን ብሰኑይ ግን ንኣስታት 100,000 ዝዀኑ ሰባት ናብ መካ ከይኣትዉ ኸልኪሎምዎም: ኣብ ዙርያ እታ ቅድስቲ ከተማ ከኣ ናይ ጸጥታ ገመድ ኣሲሮም ። ሓደ ናይ ጸጥታ በዓል ስልጣን ከምዝገለጾ ፡ 288 ሰባት ብዘይ ፍቓድ ነቲ ሓጃ ክገብሩ ብምፍታኖም ከም እተታሕዙን ናይ ገንዘብ መቕጻእቲ ከም ዝተቐጽዑን ገሊጹ ።
ኣብ 2019 ፡ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት ኣብቲ ሕጃ ተኻፊሎም እዮም ፣ እዚ ጽምብላት እዚ ፡ ኣብ ከረን ዓራፋት ብምእካብ ፡ ኣብ ሚና "ንድያብሎስ ብዳርባ እምኒ ምውጋር" እውን ዘጠቓልል ስነስርዓት እዩ ።
ንዓመታኡ ፡ እቲ ለበዳ ምስተኸስተ ፡ወጻእተኛታት ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ፣ እቲ ሓጅ ናብ ዓለምለኻዊ መላብዒ እቲ ቫይረስ ንኸይከውን ፡ ን10,000 ኣመንቲ ጥራይ ክነግዱ ተፈቒድሎም ኔሩ።
እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ 2021 ናብ 60,000 ክብ ኢሉ ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ናይ ስዑዲ ዜጋታት ከምኡውን ተቐማጦ ክኣትዉ ተፈቒድሎም ።
ኣብዚ ዓመት "ዚ ፡ ትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥራይ ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ናይ ጽሬት ኣገባብ ክሳተፉ እዮም ።
እቲ ሓጅ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ሓደጋታት ኣጋጢምዎ እዩ ፣ ገለ ካብኡ ፡ እቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ብሰንኪ ጽቕጥቅጥ ምርግጋጽ ፡ ክሳዕ 2,300 ሰባት ቀቲሉ እዩ ፣ ብ1979 ድማ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ጠያይት 153 ከም ዝሞቱ ዝሕብር እዩ ።