“መቐለ ንምጥቃዕ ክንከባ ኢና፡ ነበርታ ገዛእ ርእሶም ከድሕኑ ንጽውዕ እንተዘይኮይኑ ምሕረት ኣይክህሉን’ዩ” ምክልኻል ኢትዮጵያ

ሰራዊት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብመሬትን ሰማይን ክገብሮ ብዝቐነየ መጥቃዕቲ ብዙሕ ከባቢታትን ከተማታት ትግራይን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ናብታ ኣስታት 500,000 ነበርቲ ዘለዉዋ ብጎቦታት ዝተኸበት መቐለ ንምሓዝ ይዳሎ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

 

እቲ ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺኡ ዝርከብ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ዉግእ፡ ንምዝዛም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዋና ከተማ ትግራይ ንመቐለ ከቢቡ መጥቃዕቲ ክገብር ከምዝመደበን ሰላማዊያን ሰባት ህይወቶም ከድሕኑ መጸዋዕታ ከምተገብረሎምን ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ከምዝገለጸ ሮተርስ ካብ ኢትዮጵያ ጸብጺቡ።

ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኢዱ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ ድፋዓት ኣዳልዩ ኣብ ተጠንቀቕ ተዳልዩ ከምዘሎን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሰራዊት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብመሬትን ሰማይን ክገብሮ ብዝቐነየ መጥቃዕቲ ብዙሕ ከባቢታትን ከተማታት ትግራይን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ናብታ ኣስታት 500,000 ነበርቲ ዘለዉዋ ብጎቦታት ዝተኸበት መቐለ ንምሓዝ ይዳሎ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

በዚ ኩናት ኣሻሓት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ልዕሊ 30000 ሰባት ናብ ሱዳን ከምተሰዱን ተሓቢሩ ኣሎ።

ብ  መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ሰላማዊ መፍትሒ ክናደ ጻዊዒት ብቐጻሊ ይቐርብ እንተሎኳ እቲ ተሸላሚ ናይ ኖበል ሽልማት ዝኾነ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ መጸዋዕታ ዛጊት ኣይተቐበለን ዘሎ።

 “እዚ ዝመጽእ ዘሎ ምዕራፍ ወሳኒ ክፋል ናይዚ ስርሒት ኮይኑ ንመቐለ ብዙርያኣ ብታንክታት ክትሕጸር’ያ።” ክብል ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ኮሎኔል ደጀነ ጸጋየ ንመራኸቢታት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

“ንህዝቢ መቐለ ገዛእ ርእስኹም ካብ ዝግበር መጥቃዕቲ ከተድሕኑን ካብዚ ጁንታ ነፍስኹም ሓራ ክትገብሩመልእኽቲ ንሰድድ ኣለና ብድሕርዚ ምሕረት ዝበሃል የለን” ክብል እቲ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንሮተርስ ብተክስት ዝለኣኾ መልእኽቲ ከምዝገለጾ፡ ካብ ደቡብ መቐለ ንዝመጸ መጥቃዕቲ ሓሊታቱ ከምዝደምሰሶን ብሰሜን ኣብ ዓዲ ግራት ማዕበል ድሕሪ ማዕበል ዝመጸ ሰራዊት ንልዕሊ ሃደ ሰሙን ከጥቅዑ እንተኸኣሉኳ፡ ሓንቲ ኢንች ክስጉሙ ኣይከኣሉን ክብል ገሊጹ።

 “መደቦም ንመቐለ ንምኽባብ እዩ፡ ግና ዛጊት ክገብርዎ ኣይከኣሉን።”” ኢሉ።

እቲ ብ 4 ሕዳር ዝጀመረ ኲናት፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ክልቲኦም ወገናት ብዝህብዎ ሓበሬታ እምበር ኣብቲ ኲናት ነጻ ሪፖርተራት ስለዘየለዉን ናይ ተለፎንን ኢንተርነትን ርክባት ብምቁራጹ፡ ካብ ነጻ ወገን ክረጋገጽ ኣጸጋሚ እዩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service