ካብ ሰራሕተኛታት ብኮቪድ-19 ከምተለኽፉ ምስተረጋገጸ ቤ/ት SBS መልበርን ተዓጽዩ።

ንዝያዳ መርመራን ንዝተለኽፉ ንምርካብን ተባሂሉ እቲ ኣብ ፈደረሽን ስኩወር ዝርከብ ናይቲ ህዝባዊ ማዕከን ዜና ቤት ጽሕፈት ተዓጽዩ ኣሎ።

sbs_melbourne.jpeg
ሓደ ሰራሕተኛ ብኮቪድ 19 ከምተለኽፈ ምስተፈልጠ፡ SBS ነቲ ኣብ መልበርን ፈደረሽን ስኩወር ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱን ስቱድዮታትን ብወግዒ ዓጽይዎ።

እቲ ሰራሕተኛ ኮሮና ቫይረስ ከምዘለዎ ብሰንበት ዝተፈልጠ ኮይኑ ብቐረባ ዝተራኸብዎ ገዛእ ርእሶም ክፈልዩ ተነጊርዎም ኣሎ።

እቲ ሰራሕተኛ ብሓሙስ 25 ሰነ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዊዒሉ ኔሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈትን ስቱዲዮታትን ብሰንበት ተዓጽዩ ሰፊሕ ጽርየት ምስተገብረ ዳግም ብሰኑይ ተኸፊቱ ኔሩ።
ብሰሉስ ምሸት፡ ሰብ መዚ ጥዕና ቪክቶሪያ ነቲ ህዝባዊ ማዕከን ዜና ብምርኻብ እቲ ዝጸንሐ መምርሒ ዳግም ቀይርዎ ኣሎ።

ከም ግብረመልሲ፡ ምምሕዳር SBS ንተወሳኺ መርመራ ካብ 1 ሓምለ እቲ ቤት ስራሕ ክዕጾ ጌሩ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ መልበርን መስርሒ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኩሎም ሰራሕተኛታት ካብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ኣዚዙ ኣሎ።


SBS መልበርን ኣብ ፈደረሽን ስኩወር ህንጻ ዲከን ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ACMI (the Australian Centre for the Moving Image) ዝርከብ እዩ።

እቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝተሓደሰ ቤት ጽሕፈት ናይ መልበርን  the SBS World News Melbourne bureau ከም ኡውን ንብዙሕ ቋንቋታት ዘገልግል ስቱዲዮታት ዝሓዘ እዩ።

ገለ ናይ ቋንቋታት ናይ SBS ሬዲዮ ፕሮግራማት በዚ ምዕጻው ከምዝጽለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም።  ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናን ሓበሬታን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም www.sbs.com.au/coronavirus




Share

Published

By Naveen Razik

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service