ቁጽሪ ተሳተፍቲ ጋንታታት: 22
ቁጽሪ ተቐዳደምቲ: 176 (8 ንነብሲ ወከፍ ጋንታ)
ቁጽሪ መድረኻት: 21
ቁጽሪ መዓልታት ዕረፍቲ: ክልተ፡ ብልክዕ ግን እዚኦም ዝዕረፈሎም መዓልታት ኣይኮኑን። ዝበዝሑ ተቐዳደምቲ ነቶም ዝቕጽሉ መድረኻት ኣካላቶም ተሓዲሱን ሞይቁን መታን ክጸንሕ ኢሎም ኣብ'ዞም መዓልታት ወጺኦም ይዝውሩ።
ጠቕላላ ዝሽፍንዎ ኪሎሜትራት: 3,405.6
ጠቕላላ ድምር ዝድይብዎ ዓቐብ (ትኹል ርሕቀት): 56,467 ወይ ክንዲ 6.38 ግዜ ምድያብ ኣኽራን ኤቨረስት (Mount Everest) ማለት'ዩ።
መድረኻት
ዝነውሐ ስም መድረኽ: መድረኽ 15፡ ካብ Les Gets les Portes du Soleil ናብ Saint-Gervais Mont-Blanc le Bettex ዝበጽሕ 53 ፊደላትን ክልተ ጨረታትን ዘካትቱ ኣስማት ዘለውዎ
ዝነውሐ ኪሎሜትራት ዝሽፍን መድረኽ: መድረኽ 2፡ 209 ኪሎ ሜትር ካብ ቪቶርያ-ጋስተይዝ (Vitoria-Gasteiz) ናብ ሳን ሰባስትያን ኣብ ስፐይን (San Sébastián in Spain) ዝበጽሕ
ዝሓጸረ ስም መድረኽ: መድረኽ 5፡ ፓው - ላሩንስ (Pau - Laruns) 9 ፊደላት ዝሓዘ
ዝሓጸረ ኪሎሜትራት ዝሽፍን መድረኽ: መድረኽ 16፡ ካብ ፓሲ ናብ ኮምብሎኽ 22 ኪሎ ሜትር'ዩ፡ እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ስለዝኾነ ነብሲ ወከፍ ኪሎ ሜትር ነቶም ተቐዳደምቲ ተሕምም ወይ ተሳቕይ'ያ
ኣዝዩ ዘፍርሕ ቅርጸመሬት ዘለዎ መድረኽ: መድረኽ 17፡ ካብ ሰይንት-ጀርቨይ ሞንት-ብሎንክ (Saint-Gervais Mont-Blanc) ናብ ኮርሸቨል (Courchevel) ዝበጽሕ 5,399 ሜትሮታት ዓቐብ ምውጻእ ወይ ምድያብ ዘለዎ፡ ካብ ኩሎም መድረኻት ዙር ፈረንሳ 2022 ዝልዕል ማለት'ዩ።
ክትፍጽሞ ኣዝዩ ዘዕግብ መድረኽ: መድረኽ 21 ካብ ሰይንት-ኰንቲን-ኤን-ኢቨሊንስ (Saint-Quentin-en-Yvelines) ናብ ፓሪስ፡ ምኽንያቱ ነዚ መዛዘሚ መስመር እንተረጊጽካዮ ዙር ፈረንሳ ፈጺምካ ወይ ኣጠናቒቕካ ማለት ስለዝኾነ!
ጋንታታትን መቀዳደሚ መሳርሒታተንን
ቅድሚ ምጅማር ዙር ፈረንሳ ዝለዓለ ተርታ ዩሲኣይ (highest UCI ranking) ዝሓዘት ጋንታ: ጋንታ ዩኤኢ ቲም ኤሚረትስ (UAE Team Emirates) ቁጽሪ ሓደ ተርታ ሒዛ ኣብ 2023 ጥራይ 39 ዓወታት ኣመዝጊባ'ላ።
ኣብ 2023 ዝበዝሑ ዓወታት ዘመዝገበት ጋንታ: ጋንታ ያምቦ ቪስማ (Jumbo Visma) ኣብ'ዚ ዓመት ዛጊት 42 ቅድድማት (ወይ መድረኻት ቅድድማት) ተዓዊታ'ላ!
ቅድሚ ምጅማር ዙር ፈረንሳ ኣብ ዝተሓተ ተርታ ዩሲኣይ (lowest UCI ranking) ዝተሰርዐት ጋንታ: ጋንታ ቶታልኢነርጂስ። ኣብ መበል 22 ተሰሪዓ ዘላ ኮይና ኣብ'ዚ ሓምለ ዝካየድ ውራይ ከተመሓይሾ ክትፍትን'ያ።
ኣብ 2023 ዝወሓዱ ዓወታት ዘመዝገበት ጋንታ: ጋንታ እሰራኤል-ፕሪምየር ቴክ ኣብ'ዚ ሰሙን ዝተዓወተቶ ሃገራዊ ጽዋዕ ወሲኽካ ኣብ 2023 ሓሙሽተ ቅድድማት (ወይ መድረኻት ቅድድማት) ተዓዊታ።
ዝበዝሑ ጋንታታት ዝተጠቕሙላ ዓይነት/ብራንድ ብሽግለታ: ስፐሻላይዝድ። እዛ ብራንድ ብሽግለታ ሰለስተ ጋንታታት ይጥቀሙላ፡ ቦራ-ሃንስግሮ፡ ሶዳል-ኲክስቴፕን ቶታልኢነርጂስን።
ካንዮን ዝበሃላ ዓይነታት ብሽግለታ ከኣ ክልተ ጋንታታት ማለት ኣልፐሲን-ደቸኡኒንክን ሙቪስታርን ይጥቀሙለን።
ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ጸሓይ ዝከላኸል መነጽር፡ '100%' ዝበሃል'ዩ። እዚ ዓይነት መነጽር ኣርባዕተ ጋንታታት ይጥቀማሉ፡ ቦራ-ሃንስግሮ፡ ሊድል-ትሬክ፡ ሙቪስታርን ቶታልኢነርጂስን።
ኣዝዩ ህቡብ ኣሃዛት/ዳታ መአከብን መቐየስን መሳርሒ፡ ጋርሚን። እዚ ብራንድ 11 ጋንታታት ይጥቀማሉ። ዋሁ ዝበሃል ከኣ ትሽዓተ ጋንታታት ይጥቀማሉ።
እቶም ተቐዳደምቲ ኸ፧
ኣፍሪቃውያን ተሳተፍቲ:
ቢንያም ግርማይ (ኤርትራ)፡ ሉዊስ መይንተስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
ብዕድመ ዝነኣሰ ተቐዳዳማይ: ካርሎስ ሮድሪገዝ ካብ ጋንታ ኢንዮስ ግሬናድየርስ ኣብ መበገሲ መስመር ዙር ፈረንሳ ክስለፍ እንከሎ ወዲ 22 ዓመትን 129 መዓልታትን ክኸውን'ዩ።
ብዕድመ ዝዓበየ ተቐዳዳማይ: ማርሰይ ቦድናር ካብ ጋንታ ቶታልኢነርጂስ ዙር ፈረንሳ 2023 ክጅመር እንከሎ ወዲ 38 ዓመትን 116 መዓልታትን ክኸውን'ዩ።
ቁጽሪ ዝተፈላለዩ ዕዉታት ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት: ሽዱሽተ። ክሪስ ፍሩም (2013, 2015, 2016, 2017), ቪንቸንዞ ኒባሊ (2014), ገረይንት ቶማስ (2018), ኢጋን በርናል (2019), ታደይ ፖጋቻር (2020, 2021), ከምኡ'ውን ዮናስ ቮንገጋርድ (2022)
ዝነኣሰ ፍልልይ ዓወት ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት: 54 ካልኢታት ኣብ 2017 ሪጎበርቶ ኡራን ንክሪስ ፍሩም ተኸቲሉ ካልኣይ ዝወጸሉ።
ዝዓበየ ፍልልይ ዓወት ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት: ሸውዓተ ደቒቕን 37 ካልኢታትን ኣብ 2014 ዦውን-ክሪስቶፍ ፔሮንድ ንቪንቸንዞ ኒባሊ ተኸቲሉ ካልኣይ ዝወጻሉ።
ፍልልይ ቁመት ኣብ መንጎ ብሓፈሽኡ ዝተዓወቱ ተቐዳደምቲ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት: 11cm. ቪንጎጋርድን በርናልን ክልቲኦም ቁመቶም 175cm እዩ፡ ፍሩም ከኣ 186cm እዩ ቁመቱ፡ እቶም ዝተረፉ ዕዉታት ተቐዳደምቲ ኣብ መንጎ'ዚኦም'ዩ እቲ ቁመቶም።