SKIP TO MAIN CONTENT

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ በረኻታት ትግራይ ኣንጻሩ ዝዋግኡ ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ኢዶም ክህቡ “ናይ መወዳእታ” ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ብ 4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኲናት ኣብ ትግራይ ድሕሪ ሒደት ሳምቲ ከምተወደአን ሓይሊታት ፈደራል መንግስቲ ከምዝተዓወቱን እንተገለጸ'ኳ እቲ ኲናት ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

SBS Tigrinya News
Source: EBC

2 min read

Published


Skip to article content

ብረት ዓጢቖም ኣብ ጎኒ ህወሓት ዝዋግኡ ዘለዉ "ተወለድቲ ክልል ትግራይ" ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክምለሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ብዝኾነ ገበን ድማ ከምዘይሕተቱ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘየእተዎምን ህይወቶም ዘይሓለፈን  ላዕለዎት መራሕቲ ፖለቲካን ውትህድርናን  ህወሓት "ደም  ዜጋታት ብኸንቱ ከይፈስስን ንባዕሎም’ውን ካብ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ" ንምድሓን ኢዶም ክህቡ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

"ነዚ ናይ መወዳእታ መጸዋዕታ ተጠቒሞም ገዛእ ርእሶም ናብ ሕጊ ዘየቕርቡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ግን፡ ሕጊ ብዘፍቅዶ ኩሉ ዓይነት መንገዲ፡ ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስድ ምዃኑ ኣቐዲምና ንገልጽ" ክብል እቲ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለጺ የጠንቅቕ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ብ 4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኲናት ኣብ ትግራይ ድሕሪ ሒደት ሳምቲ ከምተወደአን ሓይሊታት ፈደራል መንግስቲ ከምዝተዓወቱን እንተገለጸ'ኳ እቲ ኲናት ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ትማሊ መንግስቲ ዘውጽኦ ናይ መጸዋዕታ መግለጺ፡ “ካብቶም ዉሑዳት ገበነኛታት ወጺኦም ናብ ሰላማዊ ናብርኦም ንዝምለሱ ተወለድቲ ናይቲ ክልል ዝኾኑ ዜጋታት፡ ዝኾነ ሕጋዊ ተሓታትነት ኣብ ልዕሊኦም ከምዘይቀርብን፡ ካብ ገበናዊ ተግባራት ተቖጢቦም፡ ስርሖምን ናብርኦምን ብሰላም ክመርሑ ይኽእሉ'ዮም" ዝብል ይርከቦ።

ነዞም ብምሕረት ነናብ ናብራኦም ክምለሱ ጻዊዒት ዝቐረበሎም ተጋሩ “ብጽቡቕ ኩነታት ንምቕባል ክተሓባበሩን ደገፍ ክገብርሎምን ንዝምልከቶም ናይ ጸጥታ፡ ምምሕዳርን ኣኸበርቲ ሕጊ ትካላትን ዘድሊ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።" ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ ገሊጹ።

ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ምዕራባዊያን ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራዊያን ተጣበቕቲ ሰብ ኣዊ መሰላትን  ነቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት ክሳብ ገበን ኲናትን ብምጽናት ዘርኢ ዘኽስስ ገበን ተፈጺሙ ከምዝኽእል ክገልጹ ጸኒሖምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ዝምርምር ነጻ ኣካል ክምርምሮ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now