SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኸደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ህጹጽ ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ክውሰድ፡ ሰኔተር ኣመሪካ ቦብ ሜነንደዝ ጸዊዑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን ዘሎ ዉግእ እናኸፍአ ምኻዱ ንኣመሪካ ከምዘትሓሳስባን ነቲ ዘሎ ዝኹንን መራሕቲ ፖለቲካ ፈደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን ነቲ ኲናት ደው ኣቢሎም ዘተ ክጅምሩ ዝጽውዕ ናይ ኣመሪካ ሰነተር ቦብ መነንደዝ (D-N.J.), ኣቕሪቡ። ሚስተር መነንደዝ ኣባል ኮሚቴ ዝምናታት ወጻኢ ኣመሪካ እዩ።

SBS Tigrinya News
senator menendez Source: AAP

1 min read

Published

Updated


Skip to article content

 

“እታ ኣነ ዝርከቦም ኩላትና ታሪኻዊ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ ናብ ዲሞክራሲ ትሰጋገር ኣላ ኢልና ተስፋ ጊርናላ ዝነበርና ኢትዮጵያ ዘይከምትጽቢትና ናብ ዉግእ ሓድሕድ ወዲቓ ኣላ፥ ነዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ህጹጽ ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ክርከብ ሎሚ ነዚ ምምሕዳር ሓፍ ኢለ እሓትት ኣለኹ።  እዚ ደማዊን መጠነ ሰፊሕን ግጭት ናብ ክፍትሓሉ ዘይክእል ኩነታት ከይወድቕ ኣስጊኡኒ ኣሎ።” ክብል ሰኔተር መነንደዝ ገሊጹ።

 

ቦብ መነንደዝ ትማሊ ረቡዕ 18 ሕዳር ብ ሰነት ኣመሪካ ን ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ “ማሕበረ ሰብ ዓለም ተወሳኺ ግጭት ከየስፋሕፈሐ ብህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ደማዊን መዕገቲ ዘይርከቦ ናይ ነዊሕ ምጥፍፋእ ከይቅጽል ስክፍታ ኣለኒ።” ክብል እቲ ሰኔተር ኣጠንቂቑ።

 

 “ ኣብ ማይ-ካድራ ዝተፈጸመ ጭፍጨፋ ሰላማዊያን ኣዚዩ ሓዘን ተሰሚዑኒ፥ ንኸምዚ ዝበለ ኣብ ሰላማዊያን ዝወርድ ግፍዒ እናኾነንኩ፡ ብነጻ ክምርመር ኣለዎ” ክብል ቦብ መነንደዝ ኣተሓሳሲቡ።

 

ኣብቲ ሰነተር መነንደዝ ዘቕረቦ ደብዳበ  “ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ግጭት ክቐጽል እንተተሓዲጉ ናብ ዝኸፍአ ጥፍ ኣትን ሰብ ኣዊ ቅልውላው ጥራይ ዘይኮነስ ተወሰኽቲ ጸላእቲ ተፈጢሮም ደሞክራሲ ኢትዮጵያ ተዓናቒፉ ብምል ኡ እቲ ዞባ ክሕምስ እዩ።”

 

እቲ ሰነተር ማሕበረሰብ ዓለም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን መራሕቲ ክልል ትግራይን ናብ ዘተ ክምለሱ ህጹጽ ጸቕጢ ክገብሩ ኣለዎም” ክብል ኣትሪሩ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now