SKIP TO MAIN CONTENT

ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተናዊሑ።

ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ተንተንቲ ግና ኢትዮጵያ ነቲ ግብጺ ትደልዮ ዘላ ምንዋሕ ምምላእ እቲ ግድብ ምቕባላ ጓሂኦም ይገልጹ ኣለዉ።

SBS Tigrinya News
Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ብዓርቢ ዝተገብረ ኣፍሪቃዊ ኣኼባ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምምላእ እቲ ሓጽቢ ሰለስቲኤን ሃገራት ክሳብ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓ ከምዘይመልእ ካብ ሱዳንን ግብጺን ዝተፈነወ ዜና ገሊጹ።

እዚ ስምምዕ ዝተገልጸ እቲ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ፕረሲደንት ስይሪል ራማፎሳ ዝተመርሐን ካል ኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ድሕሪ ምግባሩ እዩ።

ናይ ሱዳን ካቢኔ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ኣኼባ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ተክኖካዊ ዘተ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕን ክሳብ እቲ ግዜ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክጻናሕ ተወሲኑ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ናይ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር  ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ልዝበን ብምዝዛም ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ምውሳነን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ማይ፡ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ብወገኑ፡ ብመሪሕነት ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሲሪል ራማፎሳ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዘሎ ግዘ ልዝበን ክዛዝማ ከምዝተሰማምዓ ብትዊተር ሓቢሩ።

ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ተንተንቲ ግና ኢትዮጵያ ነቲ ግብጺ ትደልዮ ዘላ ምንዋሕ ምምላእ እቲ ግድብ ምቕባላ ጓሂኦም ዝገልጹ ዘለዉ ኮይኖም ብፍላይ፡ ዕላዊ መግለጺ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይምግባሩ ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይወቕሱ ኣለዉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now