SKIP TO MAIN CONTENT

ህወሓትን ሰልፊ ብልጽግናን ብዛዕባ ምክፍፋል ናይ ኢህወደግ ዝነበረ ንብረት ኣይተሰማምዑን።

እቲ ቦርድ ካብቲ ናይቲ ግንባር ንብረት ሰለስተ ኢድ ብልጽግና ክወስድ እቲ ዝተረፈ ድማ ህወሓት ክወስድ እንተወሰነኳ፡ ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ አሕመድ ሰልፊ ግና ከምዝተቓወሞ ኣፍሊጡ።

SBS Tigrinya News
Source: SBS Tigrinya

2 min read

Published

Updated


Skip to article content

ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢታት ወያናይ ግንባር (ኢሂወደግ) ከም ሰልፊ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ናይቲ ግንባር ዝነበረ ንብረት ኣብ መንጎ  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ሰልፊ ብልጽግናን ንኽካፈልዎ ኣብዝተገብረ ፈተነ፡ ክልቲኦም ወገናት ክሰማምዑ ከምዘይከኣሉ ቦርድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ክብል ዶቸ ቨለ ጸብጺቡ።  እቲ ግንባር ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ክፈርስ ድሕሪ ምውሳኑ ሰልፊ ብልጽግናን ህወሓትን፡ ንኽልቲኦም ዘሰማምዖም ናይ ሓባር ኣጻራዪ ኣካል ክመርጹ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዘይሰመረ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

በዚ ምኽንያት ናይ ኢህወደግ ንብረት ዘጻርዩ ክልተ ኦዲተራት ቦርድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ከምዝሾመ እቲ ናይቲ ቦርድ መግለጺ ኣፍሊጡ።  "ሰልፊ ብልጽግናን ህወሓትን በብወገኖም ዝመርጽዎም ሓሓደ ናይ ሕሳብ ኣጻረይቲ ነቲ ስራሕ ክዓምዎ እዮም” ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ቦርድ ካብቲ ናይቲ ግንባር ንብረት ሰለስተ ኢድ ብልጽግና ክወስድ እቲ ዝተረፈ ድማ ህወሓት ክወስድ እንተወሰነኳ፡ ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ አሕመድ ሰልፊ ግና ከምዝተቓወሞ ኣፍሊጡ። ሰልፊ ብልጽግና እቲ ንብረት ዝከፋፈል ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ብተናጸል ብዝነበሮ ብዝሒ ኣባላት ዝተመርኮሰ ክኸውን እዩ ዘለዎ እምበር ብማዕርነት ክኸውን የብሉን ብዝብል ጥርዓን ከምዘቕረበ ቦርድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ኢህወደግ ኣርባዕተ ሰልፊታት ማለት ፦ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፤ ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኦዲፒ)፤ ናይ አማራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (አዴፓ) ከምኡ’ውን ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ሕዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ (ደኢሕዴን) ሓቚፉ  ንኢትዮጵያ ንኣስታት 30 ዓመት ከመሓድራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ስልጣን ምስሓዘን ሓድሽ ሰልፊ ብልጽግና ምስወጸን ህወሓት ካብቲ ጥርናፈ ወጺኡ። 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now