ብእንግሊዝኛ ዝሕተም ጋዜጣ ፎርቹን ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ከምዝገለጾ፡ ናይቲ ክልል ቢሮ ሕርሻ ምስ ሓረስቶት ብምትሕብባር ህዝቢ ሕርሻ ስምስም ናብ ፍርያት መሸላ ንምቕያር ይስራሕ ኣሎ። ብተወሳኺ ሕርሻ ጣፍን ስርናይን ብኸፊል ናብ መሸላ ንምቕያር ይስርሓሉ ኣሎ። እዚ ዝግበር ዘሎ ህዝቢ እኹል ካርቦሃይድሬት፡ ፕሮቲንን ዘይትን ንኽረክብ ካብዝብል ሓሳብ’ውን እዩ።
ኣብ ትግራይ ከም ጣፍ ዝበለ ሕጽረት እኽሊ ኣጋጢሙ ህዝቢ ናብ ምፍራይን ምብላዕን መሸላ ክቕይር ኣገዲዱ ካብዘሎ ምኽንያታት ካብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝግበር ምንቅስቓሳትን ዋሕዚ ዕዳጋን ምግትኡን ኩነታት ሰላምን ጸጥታን ምዃኑ ህዝባዊ ርክባት ቢሩ ሕርሻ ትግራይ ሚካኤል ምሩጽ ምግላጹ እቲ ጋዜጣ ጸብጺቡ።
"እዚ ዝተገብረ ዉሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ህዝቢ ዝሓሸ መግቢ ንኽምገብ ንምትብባዕንዩ” ዝበለ ኣቶ ሚካኤል “ኣብ ከታማ ዝነብሩ ህዝቢ መግቡ ኣብ ጣፍ ምርኩስ ምግባሩ ነዚ ዋጋ ከንህሮ ኪኢሉ ኣሎ” ኢሉ።
ኣብ ክልል ትግራይ ንሓደ ኲንታል ጣፍ ክሳብ 5,000 ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ ክልል ዝርከብ ዝበዝሐ ካብቲ 1.3 ሚሊዮን ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ብመሸላ፡ ስምስም፡ ስርናይን ጣፍን ከምዝሽፈን ተገሊጹ። ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ክልል ዝርከብ ዝበዝሐ መሬት ስምስም ከምዘፍሪ ተጸብጺቡ ኣሎ።
ምፍራይ እኽሊ መሸላ ክድፍ ኣሉ ዝድለየሉ ምኽንያት፡ ዉሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነ ዓይነት መግቢ ንምምሕያሽ ከምዝጠቅም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝርከቡ ኪኢላታት ሕርሻ ከምዝገለጹውን ኣብቲ ናይ ፎርቹን ጋዜጣ ተገሊጹ ኣሎ።

