SKIP TO MAIN CONTENT

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ሎሚ ዓመት ክግበር ወሲኑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ፡ ንሕገ መንግስቲ ትርጉም ኣውሂቡ ከናውሖ ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

SBS Tigrinya News
Source: EBC

1 min read

Published


Skip to article content

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዝገብሮ ዘሎ ናይ ህጹጽ ኣኼባ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ናይ ዓለም ጥዕናን ሚኒስትሪ ኢትዮጵያን ብዝሃቦ ናይ ሓሳብ ምኽሪ ኮሮና ቫይረስ እናተኸላኸልካ ክግበር ይከኣል እዩ ብምባልዩ ነዚ ውሳነ ወሲኑ ዘሎ።

እቲ ንውሳነ ዝቐረበ ሓሳብ ብ 8 ድምጸ ተዓቅቦን ብ ዓብላሊ ድምጺን ከምዝሓለፈ ዜናታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።

 

ከምዝፍለጥ፡ ንሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትርጉም ብምሃብ እቲ ምርጫ ድሕሪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክግበር ተናዊሑ ከብቅዕ፡ ክልል ትግራይ እያ በቲ ስሩዕ እዋን ነቲ ምርጫ ኣካይዳቶ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now