SKIP TO MAIN CONTENT

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብሉ ጸዊዑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ብዘረባ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶላንድ ትራምፕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሻቕሎት ዝኣተወሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘድሃበ መግለጺ ቅዋም ኣውጺኡ።

SBS Tigrinya News
Source: TPLF

3 min read

Published


Skip to article content

"ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተቖፃፂሩ ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ ግፍዕታት ዘውዳውን ወተሃደራውን ስርዓታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ብሓንቲ እናደገመ ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወፃኢ እንከይተረፈ ተሻሪኹ መዋፅኢ ቂም ፅልኢ ስርዓት ኢሳያስ ንምግባር ልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ዝበፅሕ ክሕደትን በደልን ይፍፅም ኣሎ።" መግለጺ መንግስቲ ትግራይ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ብዘረባ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶላንድ ትራምፕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሻቕሎት ዝኣተወሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘድሃበ መግለጺ ቅዋም ኣውጺኡ።

ምግዓዝ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ስዒቡ ንዝመጽእ መዘዝ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ተሓታቲ ገይሩ።

ኣብቲ ንመንግስቲ ፌዴራልን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ዝኸሰሰሉ መግለጺ ቅዋም ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራዊት ናብ ካልእ ከባቢ ንምግዓዝ ዝግበር ዘሎ ምሽብሻብ ነጺግዎ።

" ኣብዚ ሰሙን ብሽም ምትዕርራይ እዝታት ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ንምሃብን ህዝቢ ትግራይ ንምስኳንን ብሽርሒ ዝተመልአ ስልቲ ከተግብር ተሊሙ ኣሎ። ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘሎ ዕልባት ዘይረኸበ ዶባዊ ጎንፂ ንምሕላውን ልኡላውነት ሃገር ንምኽባርን ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ብምድኻምን ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፉ ንምሃብ ይዳሎ ኣሎ።"

ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ፤ ዘመን ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ብ25 መስከረም 2013 ዓ.ም ከም ዘብቀዐ ብምግላጽ እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ምግዓዝ ወታሃደራት ኣብ ትግራይ ባይታ ከም ዘይብሉ ኣረዲኡ።

"ምስ ትግራይ ዝተኣሳሰር ውሳነታት ምውፋር፣ ምትዕርራይ ኣወዳድባን መሪሕነትን፣ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰራዊት ኮነ ኣፅዋር ፍፁም ተቐባልነትን ተፈፃምነትን ከም ዘይብሉ ክፍለጥ ይግባእ። ብምባል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ውሳኔ ክቃወሙ ፀዊዑ።

 ብሰንኪ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ እዚ ሓይሊ ንዝፍጠር ፀገም ተሓተትቲ "ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣሃዳውያን ውልቀ መለኽቲ ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስን እዮም።" ኢሉ

ብዛዕባ’ቲ ምቁራጽ በጀትን ሓገዛትን...

መንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ሴፍቲኔት ሓዊሱ በጀት መንግስቲ ክቖርጽ ይሰርሕ ኣሎ ዝበለ መንግስቲ ትግራይ

"ህዝቢ ትግራይ ብሕጊ ዝግብኦ በጀት ኮነ ካልኦት ደገፋት ካብ ጁባ ውልቀ መላኺ ሓይሊ ዝውሃቦ ዘይኮነስ ካብ ባዕሉ ካብ ህዝቢ ትግራይ ብግብርን ቀረፅን ዝኣከቦን ብመልክዕ በጀት ተሸንሺኑ ዝወሃቦ ሕጋዊ ብፅሒቱ ምዃኑ ተፈሊጡ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት በጀት ትግራይ ክልቀቕ ይግባእ። ብምባል

 " መሰል ህዝቢ ትግራይ ጥሒሱ በጀት ዝቖርፅ ወይ ጠጠው ዘብል እንተኾይኑ ብቐጥታ ኲናት ምእዋጅ ብምዃኑ፥ ከም ሳዕቤኑ ንዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ብሕታዊ ተሓታቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ እዩ።" ክብል ሓቢሩ።

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተወሉ ቅልውላው ክድሕን እማመ ሓይልታት ፌዴራሊዝም ኣብ ተግባር ክውዕል ሓቲቱ።

"ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ ሓይሊ ምስ ዘይምልከቶም ወገናት የካይዶ ዝነበረ ዘተ ብናይ ኢትዮጵያ ህዝቢን ፖለቲከኛታትን ፀቕጢ ተዘይቋረፅ ነይሩ ሉዓላዊነት ሃገር ኣሕሊፉ ስምምዕ ንምፍራምን ናይ ገንዘብ ሕርጓቶን ካልኦት ጥቕማ ጥቕምን ክወሃቦ ተሰማሚዑ ከምዝነበረን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።" ብምባል ሓይልታት ፌደራሊዝም ዘቕረቡዎ ሓበራዊ መድረኽ ምይይጥ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጠሊቡ።

መንግስቲ ትግራይ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብሉ ፀዊዑ ....

"ኣብ ዝኸፈልኩምዎ መሪር መስዋእቲ ክባር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ስርዓት ኢሳያስ ምስ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተሻሪኹ ዳግም ናብ ደምነት ከእትወና ህርዲግ ይብል ኣሎ።"

ብምባል።

 ክልቲኦም 'ውልቀ መለኽቲ' መንገዲ ሕውነታዊ ርክብ ህዝብታት ዓፅዮም ኣብ ምድልዳልን ምሕላውን ስልጣኖም ዝተመስረተ ውልቃዊ ርክብ ፈጢሮም ብደም ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ክነግሱ ዘለዎም ባህጊ ሕልሚ ኮይኑ ንኽተርፍ ታሪኽ እንሰርሐሉ ወሳኒ ምዕራፍ ዘለና ምዃና ተረዲእኹም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍኩም ግቡእኹም ንኽተበርክቱን ደማዊ ኣካይዳ ስርኣት ኢሳያስ ጠጠው ንኽተብሉን ፀዊዒትና ነቕርብ ኢሉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now