ዝበዝሕ ክፋል ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራሊያ ብዘቃጽል ኩነታት ኣየር ምልብላቡ ይቕጽል ኣሎ። ሰብ መዚ ድማ ነዚ ክትትንብዮ ኣጸጋሚ ዝኾነ ኩነታት ህዝቢ ኣብ ተጠንቀቕ ክህሉ የጠንቅቑ ኣለዉ።
ብሰሉስ ኣብ መላእ ክፋላት ቪክቶርያን ደቡብ ኣውስትራልያን ሙቐት ኽሕይል ትጽቢት ይግበር ፣ በዚ ከኣ እቲ ሙቐት ኣዝዩ ከቢድ ካብምዃኑ እተላዕለ ቅድሚ ሕጂ ዘይተከስተ ክብረ መዝገብ ዝሰብር ክኸውን ከምዝኽእል ቢሮ ሜትሮሎጂ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ ።
መልበርን ፡ ካብቲ ኣብ 2009 ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ብልክ ሳቱርዳይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቃጸሎ ጫካ ዝዳረግ ክሳብ 44C ዝበጽሕ ንዳድ ክህሉ ትጽቢት ይግበረላ ።
ሚልዱራ ኣብ ሰሜን እታ ግዝኣት ኣብ እትርከብ ከተማ መጠን ሙቐት 49C ክትበጽሕ ትንበያ ኣሎ: ብሮከን ሂል ኣብ NSW ድማ 47C ክወቅዕ ትጽቢት ይግበር: ክልቲአን ቦታታት ድማ ነቲ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ዘሎ መጠን ሙቐት መዛግብቲ ኽሰብራ ምዃነን ተፈሊጡ።።
ዴን ናራሞር ዝስሙ ላዕለዋይ ተመራማሪ ሜትሮሎጂ ፡ "ሚልዱራ ናብዚ መጠን [ናብ ላዕሊ] እንተ በጺሓ ፡ ኣብ ቪክቶርያ ካብ እተመዝገበ ሙቐት እቲ ዝበርትዐ ክኸውን እዩ" በለ ።
"ኣብ ጥቓ ዶብ ሳውዝ ኣውስትራሊያን ቪክቶርያን ዘሎ ኵሉ ትዕዝብቲ ፡ ኣብ ጥሪ ካብ ዝተመዝገበ ዝሓልፍ ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ከኣ ነቲ ናይ ኩሉ ግዜ መዝገብ ኽሰብሮ ይኽእል እዩ ።"
ዝኾነ ሓዊ ከይእገድ ምሉእ ብምሉእ እግድ ተነቢሩ ኣሎ
ኣብዚ ኩነታት እናተቐየረ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ቪክቶርያን ሳውዝ ኣውስትራሊያን ሓዊ ምእጓድ ምሉእ ብምሉእ እገዳ ተገይሩ ኣሎ።
ሰኑይ ኣብ ኣደሌድ ፡ መጠን ሙቐት 44.7C ብምብጽሑ ኣብ መዝገብ ዝጸንሐ መጠን ሙቐት ተሰይሩ ኣሎ። ፡ መዛግብቲ ከምዝሕብርዎ ካብቲ ብ2006 ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ ተመዝጊቡ ዝነበረ መጠን ዋዒ ዝዛይድ ኮይኑ እዩ ሕሊፉ ።
ካብ ርእሰ ከተማ ብሰሜን ምዕራብ እትርከብ ሰዱና መጠን ሙቐት ናብ 49C ዝበጽሐ ኮይኑ ፣ እዚ ከኣ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሙቐት ንላዕሊ ኮይኑ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ፣ መጠን ሙቐት ናይ ኒው ሳውዝ ወልስ ከተማ ዱቦ ኣብ 46.1C ዝበጽሐ ክኸውን ከሎ ፡ካብ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተመዝገበ መዓልቲ ድማ ኣክብረ ወሰን ሒዛ ሓሊፋ ።
እዚ ሓያል ኩነታት ኣየር ንሰበ ስልጣን ቪክቶሪያ የሻቕሎም'ዩ ዘሎ። ብዙሕ ሓዊ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ቀዳም ኣብ ፈለግ ካርሊስለ ናይ ዝተባርዐ ሓዊ መስመር ዝሓዘ ኦቴጎታት ፡ ንነኣሽቱ ማሕበረሰብ ናይ ጌሊብራንድ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኮይኑ ኣሎ።
ሰበስልጣን ኣብ ውሽጢ እቲ ባርዕ ሓዊ ዘይተረጋገጸ ናይ ንብረት ምጥፋእ ከምዝተጀመረ ይገልጹ ።
እቲ ቢሮ ኣብ ደቡባውያን ድሕሪ ቀትሪ ብርቱዕ ንፋስ ኣብ መልበርን ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ክወቕዖ ምዃኑ የጠንቅቕ: በዚ ድማ ነጐዳዊ በርቂ ክፈጥር ይኽእል እዩ ።
ባርዕ ብቕልጡፍን ብዘይሃሰብካዮን ክላባዕ ይኽእል፡
ጽባሕ ረቡዕ ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዝርከብ ክፋላት ብዙሕ ለውጢ ዘይክህሉ እኳ እንተኰነ ፡ ብቪክቶርያ ኣቢሉ ዝሓልፍ ግና ዝሑል ኣየር ለውጢ ክመጽእ እዩ ።
ምክትል ተቘጻጻሪ ኵነታት ኣሊስቲር ደራይተን ከም ዝገለጾ ፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ንፋስ ዝመልኦ ለውጢ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ ፣ ሰበ ስልጣን ነቶም ኣብ ግሊበርን ፡ ካዋረን ፡ ዱር በቸ ፡ ፎረስት ቢችን ባሮናርን ዝነብሩ ተቐማጦ ካብቲ ከባቢ ኺግዕዙ ተማሕጺኖምዎም ኣለዉ ።
"ጽባሕ እቲ ሓዊ ብቕልጡፍን ብዘይተሓስበን ክዝርጋሕ ይኽእል እዩ ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ነቲ ናይ ጫካ ቃጸሎ መደቦም ከጻፍፉ ኣጸቢቕና ንምሕጸኖም ኢና ፡ ንርእሶምን ንስድራቤቶምን ንምክልኻል ድማ ቀልጢፎም ክወጹ ንገድፍ "ኢሉ ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣብ ቪክቶርያ ሙቐት ናብ 40ታት ምስ በጽሐ: ኣብ ማካይን ተዓጽዮም ዝነበሩ ናይ 11 ቘልዑ ናይ ርድኡ ጻዊዒት ናብ ፓራመዲክስ ተደዊሉ ኔሩ እዩ ።
ኣምቡላንስ ቪክቶሪያ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ማካይን ህጻውንቲ ፣ እንስሳታት ወይ ዓበይቲ ሰባት ከይገድፍ ተማሕጺኑ ኣሎ ።
ዳይረክተር ድንገታዊ ምምሕዳር ዴል ኣርምስትሮንግ "ኣብ ውሽጢ ማኪና ዘሎ መጠን ሙቐት ዕጽፊ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ" በለ ።
"ሙቐት ኣካላት ቈልዓ ልዕሊ ናይ ዓበይቲ ካብ ሰለስተ ኽሳእ ሓሙሽተ ዕጽፊ ፍጥነት እናወሰኸ ስለ ዝኸይድ: ቈልዑ ኣብ ውሽጢ ማካይን ክተርፉ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ።"
ኣብ ክልቲኡ ክፍለ ግዝኣታት ዝነብሩ ነበርቲ እኹል ማይ ኽሰትዩ ፣ ንስድራቤቶም ፣ ንፈተውቶምን ንጎረባብቶምን ሓገዝ ዘድልዮም እንተኾይኑ ንኽፈልጡ ካብ ገዛ ከይወጹን ምሕጽንታ ቐሪብሎም ኣሎ ።
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

