ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ተረርቲ ቀይድታት ጉዕዞ ኣዊጁ፡ ንከተማ ብሪዝበን 'ውዑይ ነቑጣ ለበዳ' ክብል መዲብዋ

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ምልባዕ'ቲ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ዝኾነ ዘርኢ/ቫሪያንት ኮሮናቫይረስ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምክልኻል መሐለውታታት ክጠናኸሩ እዮም ኢሉ።

National Cabinet will meet again.

Source: AAP

ሃገራዊ ካቢነ፡ ከም ግብረመልሲ ናይ'ቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ናይ'ቲ ልዑል ተላባዕነት ዘለዎ ዘርኢ/ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንምሕያል መከላኸሊታት ኮቪድ-19 ተባሂሎም ዝወጹ ሓደስቲ ዓለምለኻውን ዘቤታውን መምርሒታት መገሻን ጉዕዞን ደጊፉ።

ከተማ ብሪዝበን (ግሬተር ብሪዝበን) ከኣ ሓንቲ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ በዚ ሓድሽ ዘርኢ ኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈት ድሕሪ ምርግጋጹን ነታ ከተማ ናብ ናይ ሰለስተ መዓልታት መዕጸውቲ (ሎክዳውን) ክትኣቱ ድሕሪ ምግባሩን ብደረጃ ሃገር ወይ ኮሞንዌልዝ 'ውዑይ ነቑጣ ለበዳ (ሆትስፖት)' ተባሂላ ተመዲባ'ላ።

ኣብ ትሕቲ'ዞም ለውጥታት ናብ ኣውስትራልያ ዝኣትው ተጓዓዝቲ ቅድሚ ምብጋሶም ኣሉታ (ኔጋቲቭ) ዝኾነ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ክህልዎም'ዩ፡ ኣብ ቁጽሪ ተመለስቲ ዝነበረ ገደብ ብዝሒ ኸኣ ጎዲሉ'ሎ።

ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝምለሱ በረራታት ዝመጹ ተጓዓዝቲ ብተወሳኺ ናብ ዓዲ ዝምለሱለን ነፈርቲ ቅድሚ ምስቃሎም ቅልጡፍ መርመራ ናይ'ዚ ሓድሽ ዘርኢ ኮሮናቫይረስ ክገብሩ ክህልዎም'ዩ።

ኣብ ኩሎም ዘቤታውን ዓለምለኻውን በረራታትን ኣብ ዘቤታዊ መዓርፎ ነፈርቲታት ኣብ ኣውስትራልያን - 12 ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድመኦም ህጻናት ከይሓወስካ - መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ናይ ግድን ክኾኑ'ዮም፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲታት ካልኦት ሃገራት ከኣ ሰባት ክሽፈኑ ይምከሩ።
"እቲ ቫይረስ ናይ ገዛእ ርእሱ መምርሒታት ምውጻእ ይቕጽሎ ኣሎ፡ እዚ ማለት ከኣ ንሕና'ውን ኣብ'ቲ ንምቅላሱ ንቕጽለሉ ዘለና ተዓጻጸፍቲ ኮይና ክንቅጽል ናይ ግድን'ዩ ማለት'ዩ፡" ኢሉ ሚስተር ሞሪሰን። 

ኣብ'ቶም ንመርመራ ክማልኡ ዘድልዮም ነገራት ገለ ሕድገታት ክግበሩ እዮም፡ ንኣብነት ንወቕታዊ ስራሕ ኢሎም ካብ ትሑት-ሓደጋ መልከፍቲን ውሱን ቀረብ መርመራታት ዘለወን ሃገራትን ዝመጹ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ክንድኡ ንዕኦም ተባሂሉ ብዝተሰርዐ ወይ ብዝምችእ ኣገባብ ምክትታል ክካየደሎም እዩ።

ገደብ ቁጽሪ ካብ ደገ ዝመጹ ሰባት ክሳብ ለካቲት ክጎድል እዩ

ኣብ ቁጽሪ'ቶም ናብ ኣውስትራልያ ዝምለሱ ዓለም ለኻውያን ተጓዓዝቲ ዝነበሩ ገደባት ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ዌስተርን ኣውስትራልያን ኲንስላንድን ብ50% ጎዲሎም ኣለው።

እዚ ዳግማይ ዝተኸለሰ ገደብ ቁጽሪ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ናብ 1,505 ሰባት ኣብ ሰሙን ክወርድ'ዩ፡ ኣብ ዌስተርን ኣውስትራልያ ናብ 512 ኣብ ሰሙን፡ ኣብ ኲንስላንድ ከኣ ናብ 500 ሰባት ኣብ ሰሙን።



ቪክቶርያ 490 ሰባት ኣብ ሰሙን ናይ ምቕባል ብቕዓታ ክትቅጽሎ እያ - እዚ ኣቐዲሙ እታ ግዝኣት ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣጋጠማ ዝተቐነሰ'ዩ።

ሃገራዊ ካቢነ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዘካየዶ ኣኼባ መራሕቲ ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን እቲ ምቕናስ ክሳብ ለካቲት 15 ኣብ ዘሎ ግዜ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ዓሊቦም።

ሚስተር ሞሪሰን 80% ካብ'ቶም ክምለሱ ኣብ ደገ ዝተመዝገቡ ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኣብ'ተን እቲ ሓድሽ ዘርኢ ኮሮናቫይረስ ክህልወን ዘይተርፍ ኮይኑወን ዘሎ ሃገራት እዮም ዘለው ኢሉ።

"ምስ'ዚ ሓድሽ ዘርኢ/ስትረይን ብዝተኣሳሰር ብዙሓት ዘይተፈልጡን ርጉጻት ዘይኮኑን ነገራት ኣለው፡ ብኸምኡ ኢና እምበኣር ነዚ ጥንቁቕ ኣካይዳ ብናትና እምነት ክንወስዶ ኣዝዩ ርዱእ ዝኸውን፡" ክብል ገሊጹ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ፖውል ኬሊ እዚ "ተሪርን ቅልጡፍን ሓያልን" ግብረመልሲ ነቶም በዚ ኣዝዩ ተላባዒ ዝኾነ ኮሮናቫይረስ ዘንጸላልው ሓደጋታት ንምቑጻዮም ዓሊሙ ዝተገብረ'ዩ ይብል።

"እቲ ቀንዲ ናትና ጉዳይ ንኣውስትራልያውያን ድሕነቶም ምሕላውን እዚ ፍሉይ ዘርኢ ቫይረስ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝላባዕ ወይ ዝዘውር ከይከውንን ንምግባር ምርግጋጽን እዩ፡" ክብል ሓቢሩ። 

"እቲ ምኽንያት ከኣ እዚ ቫይረስ እንተኾይኑ እቲ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ክትቆጻጸሮ ዝያዳ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን እዩ።"

ኩሎም ኣብ መወሸቢ ቦታታት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ብተወሳኺ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን መዓልታዊ ክምርመሩ እዮም።

ኣባላት ኣህጉራውያን በረራታት ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሸውዓተ መዓልታት መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ክግደዱ'ዮም፡ ኣብ መንጎ በረራታት ከኣ ኣብ ሓደ ብፍሉይ ዝተመደበ መሳለጥያ ክውሸቡ ከድልዮም'ዩ።

ከባቢ 38,000 ሰባት ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ካብ ደገ ወይ ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኣውስትራልያ ክምለሱ ዝደልዩ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን (Department of Foreign Affairs and Trade) ተመዝጊቦም ይርከቡ።


Share

Published

Updated

By Tom Stayner

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service