ስኮት ሞሪሰን ስዕረት ስዕረቱ ተኣሚኑ!
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ስኮት ሞሪሰን ነቶም እሙናት ደገፍቲ ሰልፊ ሊብራል ኣብዘስምዖ መደረ ንመራሒ ሰልፊ ለበር ኣንቶኒ ኣልባነስ ኣብቲ ኣብ ምርጫ ዝረኸቦ ዓወት እንቋዕ ሓጐሰካ ክብሎ ከም ዝደወለሉ ገሊጹ።
"ሎሚ ምሸት ፡ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ አዘራሪበዮ ኣለኹ ፣ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ፡ ሎሚ ምሸት ኣብ ምርጫ ብዝረኸቦ ዓወት ከኣ እንቋዕ ኣሐጎሰካ ኢለዮ" ክብል ገሊጹ ።
"ሎሚ ምሸት : ዲሞክራሲና ዝሰርሕ ምዃኑ ኣመስኪርና ኢና። ኣብ ኣውስትራሊያዊያንን ኣብ ፍርዶምን እኣምን እየ ፡ ነቲ ሰባት ዝህብዎ ብይን ክቕበሎ ድማ ወትሩ ድሉው እየ ። ሎሚ ምሸት ከኣ ብይን ሂቦም ኣለዉ ፣ ንኣንቶኒ ኣልባነስን ንሰልፊ ለበርን እንቋዕ ሓጐሰኩም እብል ኣለኹ ፣ ንዕኡን ንመንግስቱን ድማ ዓወት እምነየሎም ኣለኹ "።