SKIP TO MAIN CONTENT

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወዲ 90 ዓመት ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኣብ ቁጽጽር ኣእትየ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምኽትል ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ተቐቢሎም ተመያይጦም። ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣብቲ ገና ዘይለመዱዎ ቦታ መግብን ካልኦት ንኣውደኣመት ዝቕረቡ ነገራትን ብምስንዳእ ኣብዒሎምዎ።

SBS Tigrinya News
Former TPLF Leader Sebhat Nega Arrested Source: EBC

2 min read

Published


Skip to article content

ኣቶ ስብሓት ነጋ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንኢትዮጵያ ክመርሕ ብናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማት ዶላንድ ያማማቶ ዝተሾመ እዩ ክብሉ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ መድረኽ ከም ዝተዛረቡ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ 'መሰረት ዘይብሉ' ዘረባ ክብል ነጺጉዎ ነይሩ።

ብዓርቢ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ መሰረት፡ ሓደ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ ህወሓት ዝኾኑ ኣብ ጥሮታ ዝጸንሑ ኣቶ ስብሃት ነጋ፣ ኣብ ጥሮታ ዝጸንሓ፣ በዓልቲ ቤቶም ሌተናል ኮሎኔል ፃዕዱን ዝርከቡዎም ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

መግለጺ ሓይልታት ምኽልካል እታ ሃገር ኣበይ መዓዝ ከም ዝሓዞም ዝሃቦ መብርሂ የለን

 

ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣብቲ ገና ዘይለመዱዎ ቦታ መግብን ካልኦት ንኣውደኣመት ዝቕረቡ ነገራትን ብምስንዳእ ኣብዒሎምዎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ቦግድኦም ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ክርስትያን እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኢሎም።

በዓል ልደት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝተመዛበለሉ እዋን ዝተኸብረ ኮይኑ ንኣውደኣመት ዝቕረቡ ነገራት መንግስቲ ናብ ኩሉ ከባቢ ክኣትዉ ስለዘይፈቐደ ህዝቢ ብዝርካቡ ዘብዓሎ ኮይኑ ንዝሰኣኑ እናካፈለ፣ ንዝሓዘኑ እናጽናዕነዐ ኣብ ትሕቲ ኩናት ከም ዘኽበሮ ተገሊጹ ኣሎ።

ኩናት ኣብ ትግራይ ሕጂ ውን ብከቢድ ዝቕጽል ዘሎ ኮይኑ ብዓርቢ ኣብ ከባቢ መቐለን ዞባ ደቡብ ትግራይን ሓያል ውግእ ከም ዝንበረ ተገሊጹ

 

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ብዓርቢ 8 ጥሪ,2021 አብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም አብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ: ኣሜሪካ እስራኤልን አውስትራልያን ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምቅዋም ሰልፊታት ተካይዶም::

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምኽትል ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ተቐቢሎም ተመያይጦም። ኣብቲ ርክብ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምሞዕ ከምዝበጽሑን ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now