መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወዲ 90 ዓመት ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኣብ ቁጽጽር ኣእትየ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምኽትል ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ተቐቢሎም ተመያይጦም። ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣብቲ ገና ዘይለመዱዎ ቦታ መግብን ካልኦት ንኣውደኣመት ዝቕረቡ ነገራትን ብምስንዳእ ኣብዒሎምዎ።

SBS Tigrinya News

Former TPLF Leader Sebhat Nega Arrested Source: EBC

ኣቶ ስብሓት ነጋ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንኢትዮጵያ ክመርሕ ብናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማት ዶላንድ ያማማቶ ዝተሾመ እዩ ክብሉ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ መድረኽ ከም ዝተዛረቡ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ 'መሰረት ዘይብሉ' ዘረባ ክብል ነጺጉዎ ነይሩ።

ብዓርቢ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ መሰረት፡ ሓደ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ ህወሓት ዝኾኑ ኣብ ጥሮታ ዝጸንሑ ኣቶ ስብሃት ነጋ፣ ኣብ ጥሮታ ዝጸንሓ፣ በዓልቲ ቤቶም ሌተናል ኮሎኔል ፃዕዱን ዝርከቡዎም ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

መግለጺ ሓይልታት ምኽልካል እታ ሃገር ኣበይ መዓዝ ከም ዝሓዞም ዝሃቦ መብርሂ የለን

 

ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣብቲ ገና ዘይለመዱዎ ቦታ መግብን ካልኦት ንኣውደኣመት ዝቕረቡ ነገራትን ብምስንዳእ ኣብዒሎምዎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ቦግድኦም ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ክርስትያን እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኢሎም።

በዓል ልደት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝተመዛበለሉ እዋን ዝተኸብረ ኮይኑ ንኣውደኣመት ዝቕረቡ ነገራት መንግስቲ ናብ ኩሉ ከባቢ ክኣትዉ ስለዘይፈቐደ ህዝቢ ብዝርካቡ ዘብዓሎ ኮይኑ ንዝሰኣኑ እናካፈለ፣ ንዝሓዘኑ እናጽናዕነዐ ኣብ ትሕቲ ኩናት ከም ዘኽበሮ ተገሊጹ ኣሎ።

ኩናት ኣብ ትግራይ ሕጂ ውን ብከቢድ ዝቕጽል ዘሎ ኮይኑ ብዓርቢ ኣብ ከባቢ መቐለን ዞባ ደቡብ ትግራይን ሓያል ውግእ ከም ዝንበረ ተገሊጹ

 

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ብዓርቢ 8 ጥሪ,2021 አብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም አብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ: ኣሜሪካ እስራኤልን አውስትራልያን ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምቅዋም ሰልፊታት ተካይዶም::

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምኽትል ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ተቐቢሎም ተመያይጦም። ኣብቲ ርክብ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምሞዕ ከምዝበጽሑን ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ ኣሎ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service