SKIP TO MAIN CONTENT

ሰብ መዚ ኤርትራ ንመግለጺ ምቕባል ስምምዕ ዶብ ብኢትዮጵያ ምላሽ ክህቡ ጀሚሮም።

Map
Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ ብስልኪ “መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ እቲ ዉሳነ ኣትሒዙ መርገጺኡ ከም ዘነጸረን ኢትዮጵያ ኣብዚ መርገጺ'ዚ እንተሰሚራ ብእወንታ ዝርኣይ ስጉምቲ ኢዩ" ኢሉ ርእይቶኡ ከምዝሃበ ቢቢሲ ኣብ ዝፈነዎ ዜና ገሊጹ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ ወሲኹ "ኮምሽን ዶብ ኣብ 2002 ዉሳኒኡ ምስ ኣሕለፈ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ዓቢ ዓወት ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኢዩ ወሲድዎ፤ ኣብኡ ከኣ ጠጠዉ ኢሉ ጸኒሑ፤ ክሳብ ሕጅ'ዉን ኣብኡ ደዉ ኢሉ ኣሎ፥ ኤርትራ ከም ሓድሽ እትህቦ መግለጺ የብላን" ከምዝበለ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።

" እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዉጺእዎ ዘሎ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሓድሽ ክስተት ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ” እቲ ኣምባሳደር ናይ ኤርትራ ይገልጽ እሞ "ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብህወሓት ዝተባሕተ ኢዩ ነይሩ። ህወሓት ንኢትዮጵያ ንምብትታን ክሰርሕ'ኳ እንተጸንሐ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ተቓዉሞ ግን ክዕወት ኣይከኣለ፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ ፖለቲካ 'ታ ሃገር ካብዚ ዕብለላ ከም ዝወጽአ ዘመላኽት ኢዩ" ኣምባሳደር እስጢፋኖስ ከምዝገለጸ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።

 

ብዘይካዚ፥ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል"ብቕደሙ መርገጺና  ንጹር እዩ። ስምምዕ ኣልጀርስ ይኹን ዉሳነ ዶብ፡ ብዘየወላዉል ካብ ንቕበሎ 16 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተር ንኻልእ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ጽሒፉ'ሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now