SKIP TO MAIN CONTENT

"ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሕሱም ኩነታት ካብ ዕድሚኦም ንላዕሊ ኣሪጎም ቀጢኖምን ጸሊሞምን ኣለዉ።"ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ

ብወገን ሰብ መዚ ኤርትራ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ኣጻምእ በረኻ ኣብ ከቢድ ሕሰም ዘለዉ ሰራዊቶም ብኸምዚ ዓይነት ዝገልጽ ናይ ድንጋጽ መንፈስን ናይ ተስፋ ቃላትን ክዝረብ ኣይተሰምዐን።

Feature
Source: EBC

1 min read

Published

Updated

By Beyene Semere


Skip to article content

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ አሕመድን ፕሬዚዳንት ኢሳያስ አፈወርቂን ኣብ ግምባር ቡሬ ምስ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ጻንሒት ድሕሪ ምግባር ኣብ ዛላንባሳ ብህዝቢ ናብ ዝተዳለወ ናይ ሓጎስ ዳስ ተረኺቦም። ኣብ ዘላምበሳ፥ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ናይ ትግራይ ክልል ምክትል ኣማሓዳሪ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ተቐቢልዎም፡፡

ብድሕሪዚ ፍጻመ ኣብ ዶብ ኤርትራብ ኢትዮጵያን ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሓለዋ ዝጸንሑ ሰራዊ ኢትዮጵያ ካብቲ ቦታ ከምዝለግሱን ኣብ ካፕታት ከምዝኣትዉን ቀ.ሚ. ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ፡፡ ኣብቲ ዶብ ዝጸንሐ ውጥረት’ውን ኣዚዩ ከምዝፈኩስ ኣፍሊጡ ኣሎ። ቀ.ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ምስ ፕረሲደንት ኤርትራ ኣብ ግምባር ቡሬን ዘላምበሳን ምስ ሰራዊት ሓዲሽ ዓመት ኣኽቢሩ ክመልስ ከሎ ኣብ  ኣህጉራዊ ማዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት  ኣብ ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነታት ከምዝጸንሕዎን ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኣዝዩ ሙቐት ዘለዎ ድፋዓት ከምዝጸንሑ ብምግላጽ፡ ካብ ዕድሚኦም ንላዕሊ ኣሪጎም ቀጢኖምን ጸሊሞምን ከምዘለዉን እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ከይድገምን እዞም ኣባላት ሰራዊት ነፍሶም ዝመልስሉን ዝናበይሉን ኩነታት ከምዝፍተርን ገሊጹ።

ብወገን ሰብ መዚ ኤርትራ ብኸምዚ ዓይነት ነቶም ኣብ ፈቐዶ ኣጻምእ በረኻ ኣብ ከቢድ ሕሰም ዘለዉ ሰራዊቶም ዝገልጽ ናይ ድንጋጽ መንፈስን ናይ ተስፋ ቃላትን ክዝረብ ኣይተሰምዐን።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now