ኣብ ኣውስትራልያ ንምንባር ዝሕግዙ ሓበሬታታት፡ ኣቑሑት ክትገዝእ እንከለኻ እንታይ’ዮም መሰላትካ?

ኣብ ኣውስትራልያ ኣህለኽቲ/ሸመትቲ/ዓደግቲ ኣብ ትሕቲ ዋሕስ ንዓደግቲ consumer guarantees ዝብል ሕጊ መሰል ኣለዎም ጥራይ ዘይኮነስ ገንዘብ’ውን ክዕቅቡ ይኽእሉ’ዮም። እንተኾነ ግን እቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ናብ ሕቶታት ከልዕሉ ዝኽእሉ ወይ ቅኑዓት ዘይኮኑ ዕዳጋታትን ውዕላትን ዝያዳ ዝተቓልዑ ወይ ተነቀፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም።

Empty pockets

Source: Getty Images

ዋላ’ውን ኣብ ከም በዓል መኪና ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዕድግታት ሓደ ሓደ ግዜ ከም በዓል ዪንግ ዋን ዝኣመሰሉ ዓማዊል ከይተሓጎሱ/ከይዓገቡ ይተርፉ።

 “ንሕና ሓንቲ ብጣዕሚ ክብርቲ ዝኾነት መኪና ገዚእና፡ ግን እቲ ሞተረ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ ተበላሽዩ። ካብ ፋብሪካ ዝወጸት ሓዳስ መኪና’ያ ኔራ። ንዓና’ዚ ቅኑዕን ርትዓዊን ኣይኮነን።”

 

ኦሊቭያ ኙይ፡ ካብ ማእከል መሳለጥያታት ንመጻእቲ ሊቨርፑል Liverpool Migrant Resources Centre ቀረባት ኣግልግሎታት ከም በዓል መብራህቲ፡ ጋዝ፡ ማይ፡ ተሌፎን፡ ብዙሕ ጥርዓናት ይቐርበሎም ትብል።

“እቶም ዝዓበዩ ጥርዓናት ዝመጾም ምናልባት ውዕላት ቀረባት ኣገልግሎት’ዮም። ብዙሓት ንመሸጣ ዕዳጋ ተባሂሎም ዝካየዱ ደወላትን ምኹሕኳሕ መዓጹን ናብ ምድንጋር ከምርሑን ሰባት ብዙሓት ውዕላት ኣብ ሓደ እዋን ክፍርሙን ክደፍኦም ይኽእል’ዩ፡ ምኽንያቱ እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ብግቡእ ዘይተረድእዎ ክኾኑ ስለዝኽእሉ። ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ተሌፎንን ኢንተርነትን ዝተኣሳሰሩ ተደጋገምቲ/ልሙዳት ጸገማት’ውን ኣለው፡ እቶም ግቡኣት እንታይ ምዃኖም ዘይምፍላጥን ድሕሪኡ ኸኣ ካብ’ቲ ውዕል ክትወጽእ ምድላይን ምስኦም ዝተተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ዓይነት ክፍሊታት ምህላዎም ዘይምፍላጥን።”

 

ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣውስትራልያ መጺኦም ዝሰረቱ ሰባት ከኣ ናብ ንጹራት ዘይኮኑ/ኣተሓታትቲ ዝኾኑ ውዕላት ዝያዳ ተነቀፍቲ ይኾኑ። ዋና ኣካያዲ ሓደ ኣብ መልበን ዝርከብ ማእከል ሕጊ ንማሕበረሰባት፡ Westjustice፡ ደኒስ ነልትሮፕ ኣብ ከም’ዚ ጉዳይ ብብዝሒ ዝሕግዝዎም ሰባት ሓደስቲ መጻእቲ’ዮም ይብል።

“እዚ ማእከል ሕጋዊ ኣገልግሎታት ልዕሊ 50% ካብ’ቶም ዓማዊሉ ካብ ሓደስቲ መጻእትን ቋንቋ እንግሊዝ ዘይዛረቡ ድሕረባይታ ዘለዎምን’ዮም። ዝተፈላለዩ ዓይነት ጸገማት ዓደግቲ እቶም ዝበዝሑ ልሙዳት ጉዳያት ኣብ’ዚ ንርእዮም’ዮም።”

 

ደኒስ ነልትሮፕ ንሓደስት መጻእቲ ከም ግዳይ/ዒላማ ዝርእይዎም ኢሉ ዝኣምነሎም ስሱዓት ነጋዶ ኣለው ክብል የጠንቅቕ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ መሰላት ዓዳጊ ኣይፈልጡን’ዮም ኢሎም ስለዝሓስቡ።

“ንሓደስቲ መጻእቲ ግቡኣት ሕቶታት ከይሓተትካ ውዕላት ወይ ናብ ገለ ስምምዓት ክኣትው ከምዝፍርሙ ክትገብሮም ቀሊል ምዃኑ ዝፈልጡ ሰባት ኣለው። ”

 

ኦሊቭያ ኙይ ትሑት ክእለታት ቋንቋ እንግሊዝን ዋሕዲ/ሕጽረት ውስጠ-ቋንቋዊ ሓበሬታን ተደሚሮም ንሓደስቲ መጻእቲ፡ ንጹራት ዘይኮኑ ወይ ዘደናግሩ ውዕላት/ጥርዓናት ክቕበሉ ክገብሮም ይኽእል’ዩ ትብል።

“ኣነ ዝበዝሕ ካብ’ኡ ምኽንያቱ ሕጽረት ብቋንቋኦም ዝወሃብ ሓበሬታ ምህላው’ዩ ኢለ ይሓስብ፡ ንኣብነት ናብ ዝተፈላለዩ ውዕላት ክኣትው እንከለው፡ ትሕዝቶታት’ቶም ውዕላት ንዕኦም ንጹራት ኣይኮኑሎምን፡ ብንጹር ኣይግለጹሎምን፡ ንምንታይ ፈሪሞም ከምዘለው ዝገልጹ ብናቶም ቋንቋ ዝሕግዙ የለውን፡ እዚ ኸኣ ናብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ዓደግቲ ከምርሑ ዝኽእሉ’ዮም።”

 

ኣውስትራልያዊ ሕጊ ኣህለኽቲ Australian Consumer Law ንብቕዓት/ጽፈት ምህርቶም ዘረጋግጽ ዋሕስ guarantees ከቕርቡሎም ናብ ትካላት ንግዲ ጠለብ ዘቕርቡ ዓደግቲ ይከላኸለሎም። Guarantees ውሕስነታት ነቶም ትሕቲ 40000 ዝዋግኦም ኣቕሑን ነቶም ልዕሊ’ዚ መጠን ኮይኖም ግን ንውልቂ ወይ ንገዛ ዘገልግሉ ይሽፍኑ። እቶም ኣቑሑት/ምህርቲታት ድሕነት ዘለዎም፡ ንነዊሕ ዘገልግሉን ጉድለት ዘይብሎምን ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ከኣ ብግቡእ ጥንቃቐን ክእለትን ከም’ኡ’ውን ንኣገልግሎት ብቑዕ ብዝኾነ ኣገባብን ክቐርቡ ይህልዎም።

ጥርዓን ከተቕርቡ እንተደሊኹም ነቲ ዝሸጠልኩም ወይ ኣገልግሎት ዝሃበኩም እቲ ጸገም ንኽትገልጽሉ ፈለማ ረኺብኩም ከተዘራርብዎ ዘጠቓልል ደረጃታት ዘለዎም ኣገባባት ኣለው። ኣውስትራልያዊ ኮሚሽን ውድድር ዕዳጋን ኣህለኽቲን The Australian Competition and Consumer Commission ወይ ከኣ ዚ ኤ ትሪፕል ሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ትሕቲ ሕግታት ኣህለኽቲ ኣውስትራልያ ርትዓዊ ንግዲ ክህሉ የተባብዕ። ምክትል ኣደ ወንበሮም ደልያ ሪካርድ ከም’ዚ ክትብል ትገልጽ።

“እቲ ቀዳማይ ኣገዳሲ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር consumer guarantees ዋሕስ ኣህለኽቲ’ዩ። እዚኦም እንታይ ይገብሩ፡ ሓደ ኣቕሓ ምስ እትገዝእ ወይ ዝኾነ ኣገልግሎት ምስ እትረክብ፡ ከም’ቲ ዝበልዎ እንተዘይኮይኑ ወይ እንተዘይገይሩ፡ ወይ ቅቡል ዝኾነ ዓይነት እንተዘይሃልዎ፡ ወይ ብሓቂ ንሓደጋ ዘቃልዕ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ናብ’ቶም ዝገዛእኩምሎም ሰባት ክትከዱን እቲ ኣቕሓ ክጽገንን፡ ዝኸፈልክሞ ክምለሰልኩም ወይ መተካእታ ክትረኽቡ መሰል ኣለኩም።”

 

A-Triple-C ሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝ ይሃሲ ከምዝኾነ ይኣምነሉ’ዩ፡ እንተኾነ ግን ደልያ ሪካርድ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት ኣህለኽቲ/ዓደግቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ቀሪቡ’ሎ ትብል።

“ብብዙሓት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተጻሕፈ ሓበሬታ ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ብዓረብ፡ ቻይኒስ፡ ዳሪ፡ ዲንካ - ክቕጽል ይኽእል’የ፡ እቲ ዝርዝር ነዊሕ’ዩ። ስለዚ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኤ ትሪፕል ሲ እንተበጺሕኩም ኣብ’ቲ ፈለማ ገጽ ናብ ብቋንቋ እንግሊዝ ዘይዛረቡ ሰባት ሓበሬታ ዝረኽብሉ ዝሕብር መስመር መላግቦ ወይ ሊንክ ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም፡ ኣብ’ኡ ኸኣ ብዛዕባ ኩሎም consumer guarantee rights  መሰላት ዋሕስ ዓደግቲ ብዝርዝር ዝገልጹ ጽሑፋት ኣብ’ኡ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።”

 

መሰላት ዓደግቲ ክሰርሑ ምግባር ሕጂ’ውን ቃልሲ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ምስ ገለ ትካላት ንግዲን ቅንዕና ዘይብሎም ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ክትረዳዳእ ኣዝዮም ኣጸገምቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ቅቡል ዝኾነ ጥርዓንኩም ሸለል ይብሃሉ እንተሃልዮም ወይ ከኣ ምትላላት የጋጥመኩም እንተሃልዩ፡ ደልያ ሪካርድ እዚ ምኽሪ ትህበኩም።

“ንጥርዓናትኩም ይሰምዕዎም እንተዘይሃልዮም፡ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ወኪል ርትዓዊ ዕዳጋ Fair Trading agency ክትከዱ ይግባኣኩም፡ ምሳኹም ክዘራረቡ እንተኣብዮም ኣነ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት Human Rights Commission ምኸድኩ ምኽንያቱ እዚ ዓሌታዊ ምፍልላይ ክኸውን ስለዝኽእል።”

 

ሓደ ብA-Triple-C  ዝተዘርግሐ ሞባይል ፎን ኣፕ ኣብ ጁባኹም ሒዝኩሞ ክትንቀሳቐሱ እትኽእሉ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዓደግቲ/ኣህለኽቲ ይህብ። ንኸም “ተመላሲ ገንዘብና መዓስ ክንረክብ ንኽእል? መሰላትና እንታይ እንታይ’ዮም?” ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ኣለዎ፡ ናብ ሓደ ትካል ንግዲ ወይ ኩባንያ ክትጽሕፍዎ ትደልዩ ደብዳቤ ይኹን ኢመይል ከኣ ኣድላዪ ሓገዝ ይህብ።

ደልያ ሪካርድ እዚ ኣፕ ኣንጻር ዘይርትዓዊ ኣሰራርሓ ንግዲ ብርቱዕ መሳርሒ’ዩ ክትብል ትገልጾ።

“ሞባልይኩም ምሳኹም ሒዝኩሞ ኪዱ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ A-Triple-C ብጽሑ፡ ኣብ ትሕቲ ‘ኮንስዩመርስ’ ዝብል ሓደ ብዛዕባ ዋሕስ/ውሕስነት ዓደግቲ ዝህብ ሓበሬታ ዘምርሕ ሊንክ ክትርእዩ ኢኹም። ኣብ’ኡ እንተኸይዱምን እዚ’ዩ A-Triple-C ብዛዕባ መሰላትና ዝብሎ/ዝዛረቦ ኢልኩም እንተርኢኹሞምን፡ ባዕሎም ክግደስልኩም’ዮም፡ ድሕሪኡ እቲ ዝግባእ ሰናይ ተግባር ክፍጽሙ’ዮም።”

እዚ እንተዘይሰሪሑ ትብል ደልያ ሪካርድ ብቐጥታ ናብ ኤ ትሪፕል ሲ ብምኻድ ወግዓዊ ጥርዓን ዓደግቲ ምምልካት ዝበለጸ’ዩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ ግን ደኒስ ነልትሮፕ ሓደስቲ ዝመጹ ሰባት ናብ ርትዓዊ ዘይኮኑ ወይ ዘደናግሩ ውዕላት ከይኣትዉ ንምክልኻል ብመንገዲ ዝሓሸ ኣስተምህሮታት ዝበለጸ ክግበር ይከኣል ይብል።

“ንሕና ሓደ ሓደ ግዜ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ እንተረኺቦም፡ ሃንደበት ኣብ ገነት ከምዘለውን ኩሉ ነገር ፍጹም ከምዝኾነን ጌርና ኢና ንሓስቦ፡ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ሓደ ምዕቡል፡ ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት መጻወድያታት ዘለዎ ቁጠባ ቀዳማይ ዓለም ክነብሩ ክመሃሩ ይጅምሩ ምህላዎም’ዩ።”

 

ኣውስትራልያዊ ኮሚሽን ውድድር ዕዳጋን ኣህለኽቲን The Australian Competition and Consumer Commission ሃገራዊ ተቖጻጻሪ ውድድራት ዕዳጋን ሓላዊ/ተኸታታሊ ሕግታት ዓደግትን’ዩ። ዕዳጋታት ንኩሉ ብግቡእ ክሰርሑ ኸኣ ውድድርን ርትዓዊ ዕዳጋን የተባብዕ። www.accc.gov.au 

ትካል Choice ብዛዕባ ጸገማት ዓደግቲ መርመራ የካይድን ስጉምትታት ክወስዱን ጥርዓን ከቕርቡን ይሕግዝ። www.choice.com.au


Share

Published

By Ildiko Dauda

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service