(ዝንበብ ጽሑፍ) ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝኸፈልኩሞ ግብሪ ተመላሲ ከመይ ጌርኩም ትረኽቡ፧

‘ግዜ ታክስ’ ኣውስትራልያውያን ድሕሪ ሓደ ሓምለ ምውዳእ ፋይናንሳዊ ዓመት ናይ ግብሪ/ታክስ ሕሳቦም ዝዓጽውሉ እዋን’ዩ። ቅኑዕ መጠን ግብሪ ተኸፊሉ እንተኾይኑ ዝረጋገጸሉ ግዜን ዝኾነ ዝጎድል/ዝቕነስ እንተሎ ዝሕተተሉን’ዩ። እቲ እዋን ብተወሳኺ ብመልክዕ ተመላሲ ካብ ግብሪ ናብ ጁባኻ ገንዘብ ዝኣትወሉ’ውን ማለት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስዒቡ ሕሳብ ግብሪ ከመይ ይዕጾ ክግለጽ’ዩ።

Tax Time - Australia

Tax Time - Australia - wooden letters with tax form, magnifying glass, money and calculator Source: iStockphoto

ኣብ ኣውስትራልያ ስራሕ እንተሃልዪኩምን ኣብ ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመት ካብ $18200 ንላዕሊ ምስ እተእትው፡ ኣስራሒኹም እቲ መጠን ዘእተኽሞን ናብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ/ቀረጽ ኣውስትራልያ፡ ATO, the Australian Taxation Office ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ከፊልኩምን ዘረጋግጽ ጽሟቕ ሓበሬታ ክፍሊት ይህበኩም።

እዚ ማለት ሰለስተ ነገራት ማለት’ዩ። ቀዳማይ፡ ቁጽሪ መዝገብ ግብሪ tax file number ኣለኩም ማለት’ዩ። ካልኣይ፡ ሕሳብኩም ክትዓጽው ወይ ተመላሽ ግብሪ ከተመልክቱ እዚ ቁጽሪ የድልየኩም፡ ባዕልኹም ተመልክቱ እንተኮይንኩም ናይ መወዳእታ መዓልቲ መመልከቲ ክሳብ ጥቅምቲ 31፡ ብመንገዲ ተሓዝ ሕሳብ/ኣካውንታንት እንተኾይኑ ከኣ ክሳብ ግንቦት 15 ናይ ዝቕጽል ዓመት ግዜ ገደብ ኣለኩም። ሳልሳይ፡ በይንኹም ኣይኮንኩምን፡ ዳርጋ ኩሎም ካልኦት ኣውስትራልያውያን ሰራሕተኛታትን ቁጹራትን ከምኡ ክገብሩ ይግብኦም፡ ይብል ኣማኻሪ ታክስ ፒተር ካናሪስ።

“ብሓፈሽኡ ክንዛረብ እንከለና ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ፋይናንሳዊ ዓመት ታክስ ሪተርን ከመልክቱ ክፍትኑን ክውድኡን ኣለዎም፡ ኣታዊኹም ብጣዕሚ ብጣዕሚ ውሑድ ወይ ብጡረታ ወይ ሓገዝ መንግስቲ ትነብሩ እንተዘይኮይንኩም።”

ታክስ ሪተርን ብሓገዝ ወኪል ታክስ ወይ በቲ ማይታክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብመንገዲ መሰመር ኢንተርነት ATO ዝምላእ ATO’s online tool ክምላእ ወይ ክምልከት ይከኣል።

ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር ኣብ ቤት ጽሕፈት ታክስ ኣውስትራልያ ግራሃም ዋይት ከም ዝብል ምጥቃም ማይታክስ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።

እቲ ንህዝቢ ዝህሉ ረብሓ ዝበዝሐ ካብ’ቲ ዘድልየኩም ሓበሬታት ባዕሉ ይመልኣልኩም/ኣቐዲሙ ዝተመልአ’ዩ። ንሕና ካብ’ቶም መኽሰብ/ብጽሒት ዝኸፍሉ ኣስራሕቲ፡ ባንክታት፡ ትካላት ፋይናንስን፡ ኩባንያታትን ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ሚልዮን ዝኸውን ሓበሬታታት ንእክብ፡ ካልእ ብተወሳኺ ናይ ውልቂ መድሕን ጥዕና/ private health insuranceን ካልእ ተመሳሰልቲ ሓበሬታታትን ንእክብ።”

 

እዚ ቀሊል ይመስል፡ እንተኾነ ግን ፒተር ካናሪስ ሓደስቲ መጻእቲ ወይ ንፈለማ ግዜኦም ታክስ ሪተርን ዘመልክቱ ካብ ክኢላታት መምርሒ ክረኽቡ ኣለዎም ይብል።

“እቲ መስርሕ እናተሓላለኸ’ዩ ዝኸይድ፡ ኣነ ሕሳብ ግብርኹም ክዓጽወልኩም ናብ ተሓዝ ሕሳብ/ኣካውንታንት ክትከዱ ይመኽረኩም፡ እቲ ትኸፍልዎ ዋጋ ካብ’ቲ ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊኹም ዝጎድል/tax deductible ስለዝኾነ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን።”

 

ንገለ መጻእቲ፡ ኣብ ግዜ መስርሕ ምምልካት ንታክስ ሪተርን ሓደ ካብ’ቶም ዝተሓላላኣኹ ክኣልይዎ ዘለዎም ጉዳያት ሕቶ ብዛዕባ ኣታዊ ካብ ስግር ባሕሪ/ደገ’ዩ። ፒተር ካናሪስ እቲ መልሲ ንጹር’ዩ ይብል።

“ክትገልጽዎ ኣለኩም። ሕሳባት ባንክ እንተሃልይኩም ወይ ኣባይቲ ትውንኑ እንተኾንኩም፡ እቲ ኣታዊ ናይ ግድን ክትዝርዝርዎ ኣለኩም። እንተኾነ ግን ኣብ’ቲ ናይ ኣታዊኹም ግብሪ/ቀረጽ ኣብ ደገ ትኸፍልሉ እንተሃሊኹም፡ ነቲ ኣብ ደገ ዝኸፈልክሞ tax credits/ግብሪ ኣብ’ዚ ክጎድለልኩም ክትሓቱ ክፍቀደልኩም ይኽእል’ዩ። እቲ ጸገም ኣብ’ቶም ኣብ’ዚ ዝመጹ ብዙሓት መጻእቲ፡ ግን ከኣ ኣብ’ቲ መመልከቲኦም ናይ ግብሪ/ታክስ ሪተርን ዘይገልጽዎን፡ ሓደ መዓልቲ ነቲ ገንዘብ ናብ ኣውስትራልያ ከመሓላልፍዎ እንከለው ኣብ ዓቢ ስንባደ ክኣትው’ዮም። ”

 

መቕጻዕትታት ምምላእ ሓሶት ሓበሬታት ኣብ’ቲ ዝምላእ መመልከቲ ኣዝዮም ከበድቲ’ዮም፡ ኣብ ርእሲ እቲ መቕጻዕቲ’ውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘይተገልጸ ወይ ዝተታሕዘ ገንዘብ ወለድ ይሕሰብ’ዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ትካላት ግብሪ ዲጂታላይዝድ እናኾኑ ኣብ ዝመጽሉ እዋን ምምሕልላፍ/ምቅብባል ኣሃዛዊ ጸብጻባት/ዳታ በብመዓልቲ እናቐለለ ይኸይድ ኣሎ፡ ናይ ደገ ኣታዊታት ከይገለጽካ እተምልጠሉ ዕድላት ብቕልጡድ እናጸበቡ/እናነኣሱ ይኸዱ’ለው። እንተኾነ ግን ገለ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመት ዝተኸፍለ ግብሪ/ታክስ እተምልስሉ ብዙሓት ሕጋውያን መንገድታት ኣለዉ። ቅድሚ እቲ ዝተቖርጸ ክምለስ ምሕታቱ፡ መረጋገጺ ሰነዳት ናይ’ቲ ዝተገብረ ወጻኢታት ክርከብ ኣለዎ፡ እዚ መዝገብ ከኣ ብውሑድ ንኣርባዕተ ዓመታ ዝኸውን ክተሓዝ/ክቕመጥ ኣለዎ፡ ምናልባት ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣውስትራልያ ኣብ ዳሕረዋይ እዋን ከረጋግጽ ምስ ዝደሊ መታን ክቐርበሉ። ግራሃም ዋይት እቲ ቤት ጽሕፈት ንተቖራጺ ግብሪ ዝምልከት ብዙሕ ሓገዛት ኣብ መርበብ ቀሪቡ’ሎ ይብል።

“ናይ ኤቲኦ/ATO ኣፕ ኣሎና፡ እቲ ኣፕ ናብ ዝኾነ መሳርሒ መራኸቢታት ክጸዓን/ክወርድ ይኽእል’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣፕ ሓደ ‘ማይ ዲዳክሽንስ’ ዝብል መሳርሒ/ቱል ኣሎ፡ እዚ ሰባት ብመንገዲ ስእሊ እቲ ቅብሊቶም ከቐምጡ ክሕግዞምን ብዛዕባ’ቲ ቅብሊት ከኣ ዘድሊ ሓበሬታ ክመልኡን ከኽእሎምን’ዩ።”

 

እንተኾነ ግን ከም tax deduction/ተቖራጺ ግብሪ ተባሂሉ ክሕተት/ተመላሲ ክኸውን ዝምልከት እንታይ’ዩ፧ እዚኦም tax deduction ንስራሕ ዝምልከቱ ዝተገብሩ ወጻኢታት ጥራይ’ዮም፡ ኤቲኦ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ወጻኢታት ንምንታይ ዓይነት ፍሉያት ሞያታት ይዛመዱ ኣዝዩ ሰፊሕ ፍልጠት ኣለዎም ይብል ፒተር ካናሪስ።

“ዝኾነ ነገር ኣይኮንኩምን ክምለሰልኩም ትሓቱ፡ ምስ ስራሕኩም ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ክኸውን ኣለዎ፡ ውልቃዊ ዝኾነ ካልእ ዝኾነ ንገር ኣይፍቀድን። ሓደ ክዳን/ካምቻ እንተገዚእኩምን ኣብ ልዕሊኡ ኣርማ/ሎጎ እንተሃልይዎን ኣካል ናይ’ቲ ንስራሕ ትወድውዮ ዩኒፎርም እንተእኾይኑን፡ እወ፡ ክሕተተሉ ይከኣል’ዩ።”

 

ንሓደ ኣብ ገዛ ቤት ጽሕፈቱ ዝኾነ፡ ዝገበሮ ወጻኢታት ክምለሰሉ ዝሓትት ተመሳሳሊ ተሪር ሕጊ ንተቆራጺ ይምልከቶ።

“እቲ ናይ ገዛ ቤት ጽሕፈት ንቤት ጽሕፈት/ስራሕ ጥራይ ንኻልእ ዘይኮነ ትጥቀምሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈት መስታረሪ ጣውላን ፌሮን ካልእ ውልቃውያን ዝኾኑ ነገራትን ተቐምጥሉ እንተኾንኩም ክትሓቱ ኣይፍቀድን’ዩ። ስለ’ዚ ንቤት ጽሕፈት ኢልኩም ተቖራጺ ግብሪ ክምለሰልኩም ክትሓቱ እንከለኹም ብጣዕሚ ክትጥንቀቑ ኣለኩም።”

 

ኢኮኖሚ ኣውስትራልያ ብቕልጡፍ ይቕየር ብምህላው፡ እቶም ልሙዳት ዓይነት ስራሓት/ሞያታት ዝያዳ ብኻልእ ተወሳኽቲ ዕዮታት/ስራሓት ማለት ከም በዓል ኡበር፡ ደሊቨሩ፡ ኤየርቢኤንቢ ወይ ኤየርታስከር ዝኣመሰሉ እናተደገፉ ይኸዱ’ለው። እንተኾነ ግን ኣብ ብዙሓት ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ስርሓት፡ ታክስ/ቀረጽ ኩሉ ግዜ ኣይኮነን ካብ ክፍሊታት ደሞዝ ብቐጥታ ወይ ኣውቶማቲካሊ ዝቑረጽ። ኣብ’ዚ እንታይ’ዩ ዝኸውን፡ እቲ ታክስ ሪተርን ክምላእ እንከሎ ካብ ሓደ ካዡዋል ዓይነት ስራሕ ዝሕተት ተመላሲ ግብሪ ብቐሊሉ ነቲ ተስፋ ዝተነብረሉን ተመላሽ ገንዘብ ኣከሓሒሱ ከጥፍኦ ይኽእል’ዩ፡ ዝኸፍአ ኸኣ ንቤት ጽሕፈት ግብሪ’ውን ዝኽፈል ዕዳ ክጸንሓኩም ይኽእል’ዩ። ላዕለወቲ ወኪል ግብሪ ሊዝ ራስል ንገለ ተሰደድትን ሓደስቲ መጻእትን እዚ ከሰንብዶም ይኽእል’ዩ ትብል።

“ንሶም እንተተኻኢሉ፡ እቲኣ ዝሓሰብኩዋ እንተዘይረኺበያ እዚ ምናልባት ንታክስማን/በዓል ታክስ ይኸውን ብምባል ገለ ገንዘብ ኣብ ጎኒ ከቐምጡ ከድልዮም’ዩ፡ ኣብ ሓደ ፍሉይ ንእሽቶ ከብሒ ኣብ ገለ ከቐምጦ ኣሎኒ፡ ስለ’ዚ ኣብ ምውዳእ ናይ’ቲ ዓመት ገለ ዝኽፈል ሕሳብ/ቢል እንተመጺኡኒ፡ ነቲ ግብሪ ክኸፍል ኢለ ገንዘብ ንምድላይ ላዕልን ታሕትን ክብል ኣየድልየንን’ዩ ማለት’ዩ።”

 

ብኻልእ ወገን ትብል ሊዝ ራስል ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ዕዮታት ምስራሕ ብዙሓት ከፈልቲ ግብሪ ዘይፈልጥዎ ብዝሕ ዝበለ ተቖራጺታት ግብሪ ክምለሰልካ ክትሓትት ዕድል ይፈጥረልኩም’ዩ።

“ሓደ ሰብ መዓልታዊ ክልተ ካዡዋል ስራሓት እንተሃልይዎን ኣብ መንጎ እዞም ስራሓት ዝመላለሱ እንተኾኑን፡ ነዚ መዓላ ኢሎም ናይ ዝተጠቕሙላ መኪና ተቖራጽ ግብሪ ብርግጽ ክሓቱ ይኽእሉ’ዮም። ስለ’ዚ ነዚኣ’ዮም ዘይፈልጥዋን ዘይረኽብዋን ምኽንያቱ ስለዘይፈልጥዋ። ካልእ’ውን ኣላ፡ ንስርሖም ኢሎም መከላኸሊ ሽፋን ምስ ዝገዝኡ - ናይ ስራሕ ጫማ/ሴፍቲ ቡትስ፡ ናይ ስራሕ መነጽር/ሴፍቲ ግላስ፡ በጃ ኢድ ጓንቲ/ሴፍቲ ግላቭስ፡ ኣብ ደገ መስርሒ መከላኸሊ ጸሓይ/ሳን ስክሪን ወዘተ። ሰባት ቅብሊታቶም ከቐምጡ ኢሎም ኣይሓስቡን’ዮም፡ ወይ ዝርዝር ናይ’ቶም ዝገዝእዎም ኣብ መዝገብ ምሓዝ። ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ፋይናንሳዊ ዓመት ምስ በጽሑ ግን መዝገብ ዘይብሎም ይጸንሑን ኣብ’ቲ ተመላሽ ከእትውዎ ከኣ ኣይክእሉን። ”

 

ነቶም ፍሉያት ሞያታት ተመልኪቱ ንሓደ ሓድሽ ኣብ ኣውስትራልያ ዝኾነ ከፋል ግብሪ እንታይ ይምልክቶን ነየኖት ብሕጋዊ መንገዲ ክሓትት ይኽእልን ክመርሖ- ብፍላይ ኣብ’ቲ መጀመርያ- ወኪል ግብሪ/ታክስ ኤጀንት ክትጥቀሙ ከምዘለኩም እዚ ሓደ ካልእ ምኽንያት’ዩ ትብል ሊዝ ራስል። ኣብ ግዜ ታክስ ሪተርን ነቶም ሕቶታት ብኸመይ ትምልስዎም ሓንሳብ ምስ ፈለጥኩም/ተለማመድኩምን እንታይ’ዮም እቶም ተቖረጽቲ ፈሊጥኩም ርእሰተኣማንነት ምስ ኣሕደርኩምን እዚ ዓመታዊ ተግባር ኣብ ኦንላይን ክምላእ ቀሊል ይኸውን።


Share

Published

Updated

By Audrey Bourget

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service