SKIP TO MAIN CONTENT

ምስፍሕፋሕ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ [ኡጋንዳዊያን ቋንቋ ማንድሪን ይመሃሩ፡ ሶማሊያ ገማግም ባሕራ ንቻይናዊያን ገፈፍቲ ዓሳ ትኸፍት]

ኡጋንዳ ኣብ ካሪክለም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቋንቋ ቻይና ኣእትያ ኡጋንዳዊያን ቋንቋ ማንዳሪን ከምዝመሃሩ ክትገብር እያ። ሶማሊያ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየታ ክሕግዛ ን 31 ቻይናዊያን መራኽብ ቱናን ዘርኢ ቱናን ዝኾኑ ዓሳ ኣብ ገማምግማ ክትገፍፍ ልቸንሳ ሂባ ኣላ።

China in Africa
Chinese President Xi Jinping meets African leaders - Source: Getty

2 min read

Published


Skip to article content

ኡጋንዳ ኣብ ካሪክለም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቋንቋ ቻይና ኣእትያ ኡጋንዳዊያን ቋንቋ ማንዳሪን ከምዝመሃሩ ክትገብር እያ።

ናይ ኡጋንዳ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፡ ቋንቋ  ማንዳሪን ኣብ 35 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃብ ዓቕሚ ኣብዝተረኽበሉ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፋል ጽላት ትምህርቲ እቲ ቋንቋ ክሰፍሕ መደብ ከምዘውጽኤት ተፈሊጡ።

ካብቲ ከባቢ ዝመጸ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ 35 መምሃራን ንሓደ ዓመት ሰልጢኖም ነቲ መደብ ክመርሕዎ ተዳሊዮም ኣለዉ። እቲ ናይ ቋንቋ ማንድሪን ትምህርቲ ንክልተ ዓመታት ብግዲ ዝወሃብ ኮይኑ ተመሃሮ ብወለንታኦም ክቕጽልዎውን ይኽ እሉ እዮም ።

እቲ ፕሮግራም ብመንግስቲ ቻይና ተቐባልነት ረኺቡ ከም መጻሕፍቲ መምሃሪ መሳሪሒታትን መምህራንን ኣብ ኡጋንዳ ክዋፈሩ እዮም።  ክብል ናይ ኡጋንዳ Daily Monitor ጸብጺቡ ኣሎ።

ኡጋንዳ ነታ ኣብ 2014 ቋንቋ ማንደሪን ክትህብ ዝጀመረት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲዒባ እያ ነዚ ትምህርቲ ተተኣታትዎ ዘላ። ኣብ 44 ኣብያተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ እቲ ናይ ቻይና ቋንቋ ዝኾነ ማንድሪን ዝወሃብ ዘሎ።

 ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ቻይና ቋንቋ ምምሃር ድሌት እናበዓበየ እዩ ከይዱ ዘሎ። ካብ 2004  ኣትሒዙ መንግስቲ ቻይና ዝምውሎ ናይ Confucius Institutes ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ባዶ ናብ 48 ክብ ኢሉ ኣሎ። እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቋቋታት ቻይናንን ባህልን ብምትኳር በዚ ኣቢልካ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ባህላዊ ተጽዕኖ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ እዩ ዝግለጽ።

 

 ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ትገብሮ ዘላ ምትእትታው ከይወጻእና ኣብ ማያት ሶማሊያ ምግፋፍ ዓሳ ክትጅምር እያ

 እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ትውንን ሶማሊያ ንቻይና ኣብ ገማግማ ዓሳ ክትገፍፍ እያ ትዕድማ ዘላ።

 ሶማሊያ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየታ ክሕግዛ ን 31 ቻይናዊያን መራኽብ ቱናን ዘርኢ ቱናን ዝኾኑ ዓሳ ኣብ ገማምግማ ክትገፍፍ ልቸንሳ ሂባ ኣላ።

ካብዚ ወርሒዚ ጀሚሩ መራኽብ ቻይና ንሓደ ዓመት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊያ ዓሳ ክገፋ ተፈቒዱለን ኣሎ። እቲ ስምምዕ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ብቐጥታ ዝሕድስ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ንነኣሽቱ ገፈፍቲ ዓሳ ንምሕላው  ኣብ መንጎ 24 nautical miles (44 ኪሎሜተር) ናብ ገማግም ዘሎ ባሕሪ ኣህጉራዊያን ገፈፍቲ ክጽግዑ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወቕቶም ሓሊዮም ብዝፈሱ ዓሳታትን ከም yellowfin, ነዊሕ ዝጭራኦም (longtail)ን ቢገይን ዝበሃሉ ዓይነታት ቱና ብብዝሒ ዝርከብዎ ዞባ እዩ።  እንተኾነ ብሰንኪ ብቑዕ ትሕተ ቅርጺ፡ ሕጊ ዘይምህላውን ባህላዊ ኣተሓሳስባን እዚ ሃብቲ ዛጊት በተን ሃገራት ኣይተመዝመዘን ዘሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now