SKIP TO MAIN CONTENT

“ስርዓት ወያነ፡ ኤርትራ ንምርጋጽ ንናይ ወጻኢ ኣጀንዳ ንኸገልግል ኣብ ሳልሳይ መዋእል ዝተፈጥረ ስርዓት እዩ” ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ብዛዕባ ትግባረ ዶብ መዓስ ከምዝኸውን ተሓቲቱ እቲ ፕረሲደንት፡ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ካብ ዓቢ ጉዳይ ሓደ ንእሽቶ ጉዳይ ጌርካ ክርኤ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑን፡ ቅድሚኡ ካልእ ናይ ቁጠባ ፖለቲካን ምትእምማናት ክፍጠሩ ዝግብኦም ዓመታት ዝወስዱ ጉዳይት ክህልዉ ከምዝኽእሉን ብምትንታን'ዩ ብንጹር ከይመለሰ ሓሊፍዎ።

Feature
Source: Eri TV

2 min read

Published

By Beyene Semere


Skip to article content

ናይ ኤርትራ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ፡ ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኢትርዮጵያን ኤርትራን ምስኡ ዝተሓሓዙ ሕቶታት ቀሪብሉ ክምልስ ኣምስዩ። ነቲ ስምምዕ ዉዕል ዶብን ውሳኔን ዝምልከት ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ምቕባላ ከም ሓድሽ ክስተት ክውሰድ ከምዘይብሉ ገሊጹ። ኣቶ ኢሳያስ፡ ናይ ዶብ ሽግር ሓዲሽ ዘይኮነስ ሰለስተ መዋእል ዘቑጸረ ምኹኑ እዩ ገሊጹ።  ብፍላይ እቲ ሳልሳይ መዋእል ናይ ዶብ ሽግር ዝበሎ ንሱ፡ ምምሕዳር ዋሽንግቶን ብዝተኸተሎ ናይ ሓዲሽ እንኮ ቀጽራዊ  ዓለም ንምፍጣር ተባሂሉ “ስርዓት ወያነ ነዚ ኣጀንዳ ናይ ግዳም ብውክልና ንኤርትራ ንምርጋጽ፡ ንኤርትራ ንምጭኳን ከገልግል ተፈጢሩ ን 30 ዓመት ዝሰርሐ እዩ” ኢሉ።

ብዛዕባ ትግባረ ዶብ መዓስ ከምዝኸውን  ተሓቲቱ እቲ ፕረሲደንት፡ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ካብ ናይ ዓቢ ጉዳይ ሓደ ንእሽቶ ጉዳይ ጌርካ ክርኤ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑን፡ ቅድሚኡ ካልእ ናይ ቁጠባ ፖለቲካን  ምትእምማናት ክፍጠሩ ዝግብኦም ዓመታት ዝወስዱ ጉዳይት ክህልዉ ከምዝኽእሉን ብምትንታን'ዩ ብንጹር ከይመለሰ ሓሊፍዎ።

ብዛዕባ ነዚ መጺኡ ዘሎ ለውጢ “ዘሰንበዶም” ኣካላት ኣለዉ ዝበሎም ሰባት ክገልጾም ከሎ፡ “ፈላጣት ኢና ዝብሉ ፈሊጣት ኣብ ኢትዮጵያ እሱራት ይፍትሑ ለውጢ ፖለቲካ ተራእዩ። ኣብ ኤርትራ ግና እሱራት ኣይተፈትሑን፡ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይተፈትሐን እናበሉ ንሰባት የደናግሩ ኣለዉ።” ብምባል ህዝቢ ኣብዚ እዋን ዝያዳ ክነቅሕን ብተዓጻጻፊ ክሰርሕን ከምዘለዎ ሚዒዱ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ ክወሃብ ን ኣዋርሕ ክጽበዩ ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ነዚ ቃለ መሕትት ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዓቢ ተገዳስነት እዮም ተጸብዮሞ ቀኒዮም:: እንተኾነ ድሕሪቲ ቃለ መሕትት “ከምቀደሙ ኣብ ሃለውለዉ ዘተኮረ፡ ንቀንዲ ጉዳያት ጎስዩ  ዝሃውተተ መልሲታት”  ብምባል ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝቃወሙ ሰባት ይነቕፍዎ ኣለዉ።    


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now