SKIP TO MAIN CONTENT

ስፖርት፡ ንሓጺን ጽልኢ ክሰብር ከሎ

ስፖርት ንሰላም ዝብልኹም ከምዚ እዩ? ስፖርት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራንከ እንታይ ተራ እዩ ዘለዎ?

Kim Jong Un's sister Kim Yo Jong has made history.
Source: AAP

1 min read

Published

Updated

By Beyene Semere


Skip to article content

ሓብቱ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ መራሒ ደቡብ ኮርያ ኢድ ን ኢድ ተጨባቢጦም ሰላም ስለተበሃሃሉ ዊንተር ኦልፕምፒክ 2018 ታሪኽ ሰሪሑ ይሓልፍ ኣሎ።

እዚ ናይ ኪም ዮ ጆንግን መራሒ ደቡብ ኮርያ ፕረሲደንት ሙን ጃ ኢን ታሪኻዊ ዘብሎ ናይ ክልቲኤን ኮርያታት ውግእ ኣብ 1953 ምስ ተወደአ፡ ንሰሜን ኮርያ ብሓጺን ዝገዝእዋ ካብ ዘለዉ ስድራ ( ኣቦሓጎ፡ ኣቦን እዚ ዘሎ  መራሒ) ኣብ ደቡብ ኮርያ እግሮም ረጊጾም ምስ መራሒ ደቡብ ኮርያ ሰላም ክበሃሃሉ ካብቲ ስድራ እዚ ናይ ኪም ዮ ጆንግ ናይ ፈለማ እዩ።

እዚ ክስተት ከም ካብንቡር ወጻኢ ዝኾነ መር ኣያ ሓድነትን ሰላምን ናይ ክልቲኤን ሃገራት እዩ ተቖጺሩ።

እቲ ካልእ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ዝተራእየ እሞ ቀልቢ ህዝቢ ዓለም ዝሰሓበ፡ ኣብዚ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብምኽኒያት መጣፍኢ ደቂ ሰባት ዝኾነ ኑክሌስ ተፋጢጦሙሉ ኣብ ዘለዉ፡ ሓብቱ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ኪም ዮ ጆንግ ኣብ ድሕሪ ምክትል ፕረሲደንት ኣመሪካ ማይክ ፐንስ ኮፍ ኢላ ነቲ ስነስርዓት መክፈቲ ክዕዘቡ ምርኣይ እዩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now