SKIP TO MAIN CONTENT

ሽዱሽተ ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማሰኛታት ነበር ኣብ ኢትዮጵያ ፡ ኩናት ትግራይ ከብቅዕ ፡ ከምኡ 'ውን ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ክስሕቡ ጸዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ናይ ቀደም ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ዘውጽእዎ መግለጺ።

News
American Embassy in Addiss Ababa Source: American Embassy in Addiss Ababa

2 min read

Published


Skip to article content

ንሕና ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደራት ነበርን ወከልቲ ናብ ኢትዮጵያ ነበርን ፡ በቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስምምዕ ሕጉሳት ኢና ፡ ድሕሪኡ ድማ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተቐባልነት ምርካቡ'ውን ዕጉባት ኢና። እዚ ግጭት እዚ ዘስዓቦ መሪር ሰብኣዊ ስቓይን መከራን ፡ እንተላይ ብኵሉ ዝዓጠቐ ወገን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዘውረዶ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና ። ነቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ እተፈጥረ ብርቱዕ ስምዒታዊ ጭንቅን ዓሌታዊ ጽልእን ፡ እንተላይ ነቲ ኣብቲ ውግእ እተፈጥረ ከቢድ ግፍዕታትን ክንግንዘቦ እንከለና ፡ ነቲ ሰብኣዊ ህልቂት ደው ንምባልን ነቲ ግጭት ኣበርክቶ ዝገበረ ጕሉሕ ጕዳያት መልሲ ንምሃብ ፡ ኵሉ ወገን ነቲ ሰብኣዊ ህልቂት ደው ከብል ንምሕጸን ። እዚ ዕድል እዚ እንተ ኣምሊጡ 'ሞ ፡ እቲ ግጭት ዳግማይ እንተ ጀሚሩ ፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብቲ ኩነታት ዝሳተፉ ዘለዉ ተዋጋእቲ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ክንረክብ ከም ዘይኽእል ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ዝያዳ ሞትን ጥፍኣትን ስቓይን ከም ዝህሉ ኢና እንርኢ ።

ዕጡቓት ጕጅለታት ፡ እንተላይ ዕጡቓት ሓይልታት ኤርትራ ፡ ነናብ ቦታኦም ክምለሱ ኣለዎም ኢልና ኢና እንኣምን ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ህጹጽ ቆላሕታ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ፣ ኣብ ክልላት ዓፋር ፣ ኣምሓራ ፣ ኦሮምያ ፣ ቤኒሻንጉል እውን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓልዮትን ሓገዝን ዘድልዮም ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣለዉ ። ምስ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ፡ እታ ሃገር ናብ ሰላምን ሓድነትን ብልጽግናን ናብ ደልዳልን ዲሞክራሲን ክትምርሽ ተስፋናን ጸሎትናን እዩ ።

4 ሚያዝያ 2022

ኣምባሳደር (ጥሮታ) ዶናልድ ቡዝ

ኣምባሳደር (ጥሮታ) ኣውሬልያ ብራዘል

ኣምባሳደር (ሮታ) ፓትሪሻ ሃስላክ

ኣምባሳደር (ጥሮታ) ቪኪ ሁድልስተን

ኣምባሳደር (ጥሮታ) ቲቦር ናዥ

ኣምባሳደር (ጥሮታ) ቲቦር ናጊ


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now