እቲ ብብዙሓት ከም ዝዓበየ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝቑጸር ፔለ፡ ኣብ ታሪኽ ሰለስተ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረ እንኮ ተጻዋታይ እዩ፡ እታ ቀዳመይቲ ዝተዓወታ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ኔሩ።
ንሱ ብመንሽሮ መዓንጣ ክሳቐ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልበርት ኣንስታይን ሓካይም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ "ምቁራጽ ስራሕ ኩሊትን ልብን" ዝተኣሳሰር ኣብ ትሕቲ "ልዑል ክንክን" ይርከብ ክብሉ ገሊጾም ኔሮም።
ፔለ፡ ሓካይም ነቲ ቀጻሊ ዝወሃቦ ዝነበረ ሕክምና ዳግማይ ክግምግሙ ብምባል'ዮም ብዕለት 29 ሕዳር ኣብ ሆስፒታል ኣምጺኦሞ።
ካብ መዓንጣኡ ሓንቲ ጥረ ምስ ተኣልየሉ ፔሌ ካብ መስከረም 2021 ኣትሒዙ ቀጻሊ ምክትታል ሆስፒታል ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።
ፔሌ ብሰላም ዕረፍ።