SKIP TO MAIN CONTENT

ህቡብን ፍቱውን ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ዓለምን ስፖርትን ብራዚላዊ ፔሌ ዓሪፉ

ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪን ስፖርትን ዝለዓለ ስምን ዝናን ዘለዎ ፔለ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።

BRAZIL SOCCER PELE
Pele hayranları Sao Paulo'da hastane önünde dua ediyor. Source: EFE / ISAAC FONTANA/EPA

1 min read

Published

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya


Skip to article content

እቲ ብብዙሓት ከም ዝዓበየ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝቑጸር ፔለ፡ ኣብ ታሪኽ ሰለስተ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረ እንኮ ተጻዋታይ እዩ፡ እታ ቀዳመይቲ ዝተዓወታ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ኔሩ።

ንሱ ብመንሽሮ መዓንጣ ክሳቐ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልበርት ኣንስታይን ሓካይም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ "ምቁራጽ ስራሕ ኩሊትን ልብን" ዝተኣሳሰር ኣብ ትሕቲ "ልዑል ክንክን" ይርከብ ክብሉ ገሊጾም ኔሮም።

ፔለ፡ ሓካይም ነቲ ቀጻሊ ዝወሃቦ ዝነበረ ሕክምና ዳግማይ ክግምግሙ ብምባል'ዮም ብዕለት 29 ሕዳር ኣብ ሆስፒታል ኣምጺኦሞ።

ካብ መዓንጣኡ ሓንቲ ጥረ ምስ ተኣልየሉ ፔሌ ካብ መስከረም 2021 ኣትሒዙ ቀጻሊ ምክትታል ሆስፒታል ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

ፔሌ ብሰላም ዕረፍ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now