SKIP TO MAIN CONTENT

ፕረሲደንት ፎርማጆ ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ፥ ሓዲሽ ንዝተመርጸ ፕረ/ ሓሳን ሸኽ መሓመድ ህዝቢ ክድግፎ ጸዊዑ።

News
Source: AAP

2 min read

Published

Updated


Skip to article content

ኣብዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት: ዋሕዲ ውሕስነት መግቢ: ከምኡውን ብዙሕ ምምዝባል ኣብ ሶማሊያ ኣብዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ካብ 35 ተወዳደርቲ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ

 ንሞሓመድ ፎርማጆ ሲዒሩ ተመሪጹ።

እቲ በቶም 328 ተወከልቲ ህዝቢ ፕረሲደንት ክኸውን ዝተመርጸ  ሓሰን ካብ 2012-2017 ፕረዚደንት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ ።

 እቲ ምርጫ ብሰንበት ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ዝርከብ ውሕስና ዘለዎ ቦታን እዋን እቶ እቶ ብምእዋጅን እዩ ተኻይዱ ።

 ኣብ ስልጣን ዝጸንሀ  ፕረዚደንት ብ8 ለካቲት 2021 ኣብቂዑ እዩ ፡ በዚ ድማ እቶ ስልጣን ንምሓዝ ዝጓየዩ ሕጹያት  ፡ ካብ ኡ ኣትሒዞም ንፎርማጆ ፕረዚደንት ሶማል ምዃኑ ኣፍልጦ ከም ዘይህቡሉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም ።

 ኣብ ካልኣይ ዙር ፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣስታት 165 ድምጺ ምስ ረኸበ ኣብቲ ምርጫ ክዕወት ምዃኑ ንጹር ኰነ ። ኣብቲ መወዳእታ ብሰንበት እተዛዘመ ሳልሳይ ዙር ፡  ወዲ 66 ዓመት  ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመርጸ ፡ ቃለ ማሕላ እውን ፈጸመ ። እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፎርማጆውን ስዕረቱ ተኣሚኑ፡ ህዝቢ ሶማል ነቲ ተመሪጹ ዘሎ ክድግፎ ጸዊዑ።

 እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት መራሒ ሰልፊ ኅብረት ን ሰላምን ልምዓትን ኮይኑ "ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ ሞቃዲሾ ዩኒቨርሲቲ ሲማድ" እዩ ።

ኣብ 2017 ፡ ፎርማትጆ ናብ ስልጣን ዝመጻሉ እዋን  ፡ ሶማላውያን ነታ ሃገር ናብ ሰላም ክመርሓ ምዃኑ ዓቢ ተስፋ ኣሕዲሮሙሉ ኔሮም  ። ይኹን "ምበር ፣ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ዝጥቀስ  ሓደ ዓመት ድሕሪ" ቲ  ስልጣን ምሓዙ ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ናብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምልኣኹ ፣ እቶም ሶማላውያን ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ይሳተፉ ምህላዎም ካብቲ ዞባ ዝተፈነወ ዜና ተሰምዐ ።

 በዚ ድማ "ሶማላውያን ብዛዕባ ጽሕፍቶ ደቆም ብምርዳእ ፡ ኣደታት ሶማሊያ ንፕረዚደንት ፎርመጂዮ ደቀን ናብ ገዛኦም ክመልሰለን ሃለዋቶም ከፍልጠን ጸዊዐን"

 "ፕረዚደንት ሓሰን [ሸኽ መሓሙድ] ዝያዳ ተመክሮ ኣለዎ ፡ ሶማላውያን ድማ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረሲደንት ዝፈጸሞ ጌጋታት ከይደግሞ ክጥንቀቕ ተስፋ ይገብሩ" ከምዘለዉ ካቢ ዞባ ዝመጽእ ሃበሬታ የመልክት።

ንፕረዚደንት- ኮይኑ ዝተመርጸ ሓወይ ክቡር ሓሳን መሓመድ ፡

ኣብዚ ን 10ይ ግዜ ዝተገብረ ናይ ሃገርና ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብምዕዋቱ፡ ኵሎም ዜጋታት ንኺዕወት ክድግፍዎንን ኽጽልይሉን እምሕጸኖም። ብልዝብን ብሰላማዊ መገድን ኣብ ዝግበር ምርጫ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኵሎም ሰባት ዘሎኒ ሞሳ ክገልጽ እደሊ እየ ።

ክብል ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጸዊዑ።

News
Source: Twitter

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now