ፕረሲደንት ፎርማጆ ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ፥ ሓዲሽ ንዝተመርጸ ፕረ/ ሓሳን ሸኽ መሓመድ ህዝቢ ክድግፎ ጸዊዑ።

News

Source: AAP

ኣብዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት: ዋሕዲ ውሕስነት መግቢ: ከምኡውን ብዙሕ ምምዝባል ኣብ ሶማሊያ ኣብዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ካብ 35 ተወዳደርቲ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ

 ንሞሓመድ ፎርማጆ ሲዒሩ ተመሪጹ።

እቲ በቶም 328 ተወከልቲ ህዝቢ ፕረሲደንት ክኸውን ዝተመርጸ  ሓሰን ካብ 2012-2017 ፕረዚደንት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ ።

 እቲ ምርጫ ብሰንበት ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ዝርከብ ውሕስና ዘለዎ ቦታን እዋን እቶ እቶ ብምእዋጅን እዩ ተኻይዱ ።

 ኣብ ስልጣን ዝጸንሀ  ፕረዚደንት ብ8 ለካቲት 2021 ኣብቂዑ እዩ ፡ በዚ ድማ እቶ ስልጣን ንምሓዝ ዝጓየዩ ሕጹያት  ፡ ካብ ኡ ኣትሒዞም ንፎርማጆ ፕረዚደንት ሶማል ምዃኑ ኣፍልጦ ከም ዘይህቡሉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም ።

 ኣብ ካልኣይ ዙር ፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣስታት 165 ድምጺ ምስ ረኸበ ኣብቲ ምርጫ ክዕወት ምዃኑ ንጹር ኰነ ። ኣብቲ መወዳእታ ብሰንበት እተዛዘመ ሳልሳይ ዙር ፡  ወዲ 66 ዓመት  ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመርጸ ፡ ቃለ ማሕላ እውን ፈጸመ ። እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፎርማጆውን ስዕረቱ ተኣሚኑ፡ ህዝቢ ሶማል ነቲ ተመሪጹ ዘሎ ክድግፎ ጸዊዑ።

 እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት መራሒ ሰልፊ ኅብረት ን ሰላምን ልምዓትን ኮይኑ "ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ ሞቃዲሾ ዩኒቨርሲቲ ሲማድ" እዩ ።

ኣብ 2017 ፡ ፎርማትጆ ናብ ስልጣን ዝመጻሉ እዋን  ፡ ሶማላውያን ነታ ሃገር ናብ ሰላም ክመርሓ ምዃኑ ዓቢ ተስፋ ኣሕዲሮሙሉ ኔሮም  ። ይኹን "ምበር ፣ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ዝጥቀስ  ሓደ ዓመት ድሕሪ" ቲ  ስልጣን ምሓዙ ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ናብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምልኣኹ ፣ እቶም ሶማላውያን ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ይሳተፉ ምህላዎም ካብቲ ዞባ ዝተፈነወ ዜና ተሰምዐ ።

 በዚ ድማ "ሶማላውያን ብዛዕባ ጽሕፍቶ ደቆም ብምርዳእ ፡ ኣደታት ሶማሊያ ንፕረዚደንት ፎርመጂዮ ደቀን ናብ ገዛኦም ክመልሰለን ሃለዋቶም ከፍልጠን ጸዊዐን"

 "ፕረዚደንት ሓሰን [ሸኽ መሓሙድ] ዝያዳ ተመክሮ ኣለዎ ፡ ሶማላውያን ድማ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረሲደንት ዝፈጸሞ ጌጋታት ከይደግሞ ክጥንቀቕ ተስፋ ይገብሩ" ከምዘለዉ ካቢ ዞባ ዝመጽእ ሃበሬታ የመልክት።

ንፕረዚደንት- ኮይኑ ዝተመርጸ ሓወይ ክቡር ሓሳን መሓመድ ፡

ኣብዚ ን 10ይ ግዜ ዝተገብረ ናይ ሃገርና ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብምዕዋቱ፡ ኵሎም ዜጋታት ንኺዕወት ክድግፍዎንን ኽጽልይሉን እምሕጸኖም። ብልዝብን ብሰላማዊ መገድን ኣብ ዝግበር ምርጫ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኵሎም ሰባት ዘሎኒ ሞሳ ክገልጽ እደሊ እየ ።

ክብል ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጸዊዑ።
News
Source: Twitter

Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service