እታ ኣብቲ ኣህጉር ዝለዓለ ቁጽሪ ኮሮናቫይረስ ትዉቃዕ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ሰሙን ናይ ኮሮና ቫይረስ ክታበት ብምፍታን ናይ ፈለማ ፍሪቃዊት ሃገር ከምትኸውን ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ተሓጽዩ ዘሎ ክታበት ብትካል ኦክስፎርድ ጀነር ኣብ ብሪጣንያ ዝማዕበለ ኮይኑ፡ ድሮ ዝተገምገመን 4,000 ተሳተፍቲ ክኽተቡ ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዩኒቨርሲቲ ዊትስ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምትሕብባርዩ ነቲ ChAdOx1 nCoV-19 ዝተባህለ ን ኡስ ፈተነ ኣብ 2,000 ሰባት ፈተነ ክግበር፡ ካብቶም ተሳተፍቲ 50 ዝኾኑ HIV ይርከብዎም።
"ኣብዚ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ-ኦክስፎርድ ክታበት ኮቪድ-19 ዝሳተፉ ሰባት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚርና ክንምልምል ጸኒሕና ኣለና፡ እቶም ናይ ፈለማ ኣብዚ ዝሳተፉ ድማ ኣብዚ ሰሙን ክኽተቡ እዮም።" ክብል ናይ ዊትስ ቫክሲኖሎጂ ፕሮፌሶር ሻቢር ማድሂ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበረ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
ኣብዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 111 ብኮቪድ-19 ከምዝሞቱ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብድምር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 2102 ሰባት በዚ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኣለዉ።

