ናይ ስሪላንካ ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ብ ቐዳም ካብ መዝነቱ ክወርድ ዘፍለጠሉ : ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ብዙሓት እተቘጥዑ ተቓወምቲ ካብ መንበሪኡ ምስ ኣጓየይዎ እዩ ፣ናይዚ ምኽንያት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቝጠባዊ ቅልውላው ዘስዓቦ እዩ ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ መንግስቲ ንገንዘብ እታ ሃገር ብግቡእ ከምዘየማሓደሮን ፡ ሕጽረት ምግብን ነዳድን ክፍጠርን ሓላፍነት ንኺወስድ ሓቲቶም ።
ብዙሓት ሰልፈኛታት ንኣፍ ደገታት እቲ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ-መንግስቲ ምስ ወረርዎ: ናብ ውሽጢ ክፍልታቱ ኣትዮም: ገለ ካብቶም ዓንተራት ሰባት ድማ ናብቲ ሓጽቢ መሐምበሲ ናይቲ ቤተ መንግስቲ ክኣትዉ ተራእዮም ።
ገሊኦም ከኣ ኣብቲ መንግስታዊ መደቀሲ እቲ ቤት ክስሕቁን ክምገቡን ከለዉ ፡ ሓደ ሰብ ድማ ነቲ ክልተ ጽምዲ ናይ ቀዳማይ ሚስተር ራጃፓክሳ ፕታንቲ ከም ዝዀነ ዝገለጾ ነገር ኣልዒሉ ኣርእዩ።
ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ናይ ህዝቢ ማዕበል ፡ እቲ መራሒ ኣብ ወደብ ኮሎምቦ ኣብ ዝርከብ መደብር ሓይሊ ባሕሪ ነፋሪት ተሰቒሉ ፡ ናብ ደቡባዊ ማያት እታ ደሴት ተወስደ ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንኣዋርሕ ክዝቐረበሉ ዝጸንሐ ጻውዒት ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ ።
ማሂንዳ አቢዋራና ብተለቪዥን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ሰላማዊ ምስግጋር ንምርግጋጽ እቲ ፕረዚደንት ካብ 13 ሓምለ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እዩ ኢላ" ።

Protesters gather inside the premises of Sri Lanka Presidential Palace to demand the resignation of Sri Lankan President Gotabaya Rajapaksa, on 9 July 2022. Source: AAP
ሚስተር ራጃፓክሳ ካብ መንበሪኡ ክወጽእ ከሎ እቶም ወተሃደራት ነቶም ህዝቢ ኣብ ደገ ምእንቲከርሕቑ ናብ ኣየር ክትኩሱ ተራእዮም ።
ነቲ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ-መንግስቲ ብሓይሊ ተቓወምቲ ምስ ተወረረ ነዊሕ ኸይጸንሐ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ራጃፓክሳ ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ወደቐ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ራኒል ዊክረምመሲንግ ፡ ንራጃፓክሳ ክትክኦ ዝኽእል ናይ መጀመርታ ሰብ ኮይኑ፡ ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣኼባ ጸዊዑ ፡ ንሓድነት መንግስቲ መገዲ ንምጽራግ ፡ ካብስልጣኑ ክወርድ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ።
እዚ ግን ንተቓወምቲ ካብ ቁጥዓኦም ክገትእ ኣይከኣለን: እቶም ኣብቲ ናይ ብሕቲ መንበሪ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወረሩ ነቲ መንበሪ ሓዊ ረኲዖሙሉ እዮም ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእሊታት ከምዘርእዮ ብእግሪ ዝጕዓዝ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ባርዕ ምስረኣየ ሓጎሱ ገሊጹ ።
ክሳዕ ሕጂ በቲ ሓዊ ብዛዕባ ኣብ ሰባት ዝወረደ ሓደጋ ኣይተሓበረን ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ሚስተር ዊክረምመሲንገ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝገዓዙ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።
ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ኮሎምቦ ናዕቢ ዘለዓዓለ ብዙሕ ህዝቢ ክብትንዎ ፈተኑ: ብሰንኪ እቲ ግጭት ድማ ብዙሓት ሰባት ቈሰሉ ።

Security forces use water cannons to disperse an anti-government protest rally. Protesters are calling for the resignation of the president over the alleged fai Source: AAP
ወሃቢት ቃል ናይቲ ኣብ ኮሎምቦ ዝርከብ ቀንዲ ሆስፒታል ፡ ሰለስተ ሰባት ናይ ተዅሲ መቝሰልቲ ኣጋጢምዎም ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎን ፡ 36 ካልኦት ድማ ብዘንብዕ ጋዝ ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣጋጢምዎም ተሓኪሞም ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ምክልኻል ንAFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቲ ፕረዚደንት ናብ ውሑስ ቦታ ኣምሪሑ" ገሊጹ ። "ንሱ ገና ፕረዚደንት እዩ ፡ ብ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ይሕሎ ኣሎ " ኢሉ ።
'ዝውስን ኣይኰነን'
ስሪላንካ ኣገዳሲ ነገራት ካብ ወጻኢ ንምእታው ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሕጽረት ኣጋጢምዋ ፡ ንኣዋርሕ ዝኣክል መግብን ነዳድን ፡ ሕጽረት ኣጋጢምዋ እዩ ።
ኣብቲ ናይ ቀዳም ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብምፍሳስ፣ ቁጣዓኦም ገሊጾም።
"ተጓዓዝቲ ንኮሎምቦ ንምብጻሕ ንባቡራት ባዕሎም እዮም ኣዚዞም።"
እታ ሃገር ዳርጋ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ምሉእ ብምሉእ ደኺማ እኳ እንተጸንሐት ፡ በቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት ዝድገፉ ተቓወምቲ ውድባት ተደሪኾም ፡ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ብምቝጽጻር ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክኸዱ ኪኢሎም ኣለዉ ።
ሰልፈኛታት ካብ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ራጃፓክሳ ወጻኢ ንኣዋርሕ ዝኣክል ሰፊሮም ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ቅልውላው ብዘይግቡእ ስለ ዝመርሖ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጠሊቦም ።
ወተሃደራት ፡ ወግዓዊ መንበሪ ቤት ራጃፓክሳ ንምሕላው ፡ ዓርቢ ኣብ ኮሎምቦ ዓጢቖም ክጽበዩ እዮም ጸኒሖም ።
፡ ነቲ ፕረዚደንት ንምክልኻል ፡ ኣስታት 20,000 ወተሃደራትን ኣባላት ፖሊስን ኣዋፊሮም ከምዘለዉ ሰበ-ስልጣን ገሊጾም ።
ስሪላንካ 51 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ግዳማዊ ዕዳ ብምእታዋ ፡ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ድጎማ ክግበረላ ዝርርብ ተካይድ ኣላ ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ፡ ራጃፓክሳ እሙናት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተቓወምቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ግጭት ምስ ተላዕለ ፡ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ኣማእታት ድማ ቈሲሎም ።