ናይ ኢንዶነዥያ ባጀት ነፋሪት 62 ሰባት ጽዒና ካብ ጃካርታ ብቐደማ ምስተበገሰት ዝጠፍአት ኣብ ባሕሪ ኣትያ ትኽእልያ ክብሉ ሰብ መዚ ይገልጹ ኣለዉ።
ምልክታት መስመር በረራ ከምዝሕብሮ መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ቦይንግ 737-500 ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነገርቲ ሶካርኖ ሃታ ምስተበገሰት ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ናብ ማዕሙቕ ባሕሪ ተነቚታ ክትከውን ትኽእልያ ኢሎም።
10 ቆልዑ ዝርከብዎም 62 ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታት እታ ኣየርን ኣብታ ኣየር ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ናይ ኢንዶነዥያ ሚኒስተር ትራንስፖርት ቡዲ ካርያ ሱማዲ ንጋዜጠኛታት ገሊጻ።
እቲ እታ ኣየር ወዲቓትሉ ተባሂሉ ዝጥርጠር ኣብ ጥቓ ናይ ኢንዶነዥያ ደሴት ክኸውን ይኽእልዩ ተባሂሉ።
መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ በረራ ቁጽሪ SJ182 ቀዳም ናይ ምሸት ምብራር ድሕሪ ምጅማር ዝወደቐ ኮይና ካብ ራዳር ምስጠፍ አት ብኡ ንብኡ'ዩ ድልያ ተጀሚሩ።

This flight path of Indonesian Sriwijaya Air Flight 182 before it dropped off radar, Saturday, Jan. 9, 2021. Source: AP/Flightradar24.com
ሃንደበታዊ ንቑታ
ካብ ራዳር ዝተረኸበ ናይ በረራ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እታ ነፋሪት ኣብ ክብታ 11,000 ጫማ(3,350 መተሮ) ድሕሪ ምብጻሓ ሃንደበት ናብ 250 ጫማ ለጠቕታ ኣርእያ፡ ብድሕርዚ ርክብ ተቛሪጹ።
"መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ በረራ ቁጽሪ SJ182 ኣርባዕተ ደቒቕ ካብ ጃካርታ ተበጊሳ ምብራር ምስጀመረት ሓደ ደቒቕ ኣብዘይመልእ ግዚ እያ ልዕሊ 10,000 ጫማ ናብ ታሕቲ ወሪዳ።" ብምባል እቲ ዝከታተኣ ዘሎ በዓል መዚ ኣብቲ ወግዓዊ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣስፊሩ።
ሓደ ናይ Kompas TV ሪፖርት ካብ ጃካርታ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ጥቓ ሓደ ደሴት ስብርባር ናይታ ነፋሪት ዝረኣዩ ናይቲ ከባቢ ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝነገርዎ ጸብጺቡ፡ እንተኾነ መረጋገጺ ኣይተዋህበ።
እታ ነፈራት ንምንታ ብቕጽበት ከምዝጠፍአት ዛጊት መብርሂ ኣይሃቡን ዘለዉ።
እንተኾነ ናይ ትራንስፖርት ሚኒስተር ሱማዲ፡ እቲ ነፋሪት ካብ ራዳር ቅድሚ ምጥፋኣ ካብ መስመራ ወጺኣ ኔራ።
እቲ 19 ቦዪንግ ጀት ዝዉንን መገዲ ኣየር ባጀት ኣብ ዉሽጢ ኢንዶነዢያን ደቡባዊ ምብራቕ ኤሽያ በረራታት ዘካይድ ኮይኑ ብዛዕባቲ ምጥፋእ ሃለዋት ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ጥቅምቲ 2018 ላየን ኤየር ቦይንግ 737 ማክስ ጀት ናይ ሓደ ሰዓት በረራ ንምግባር ካብ ጃካርታ ምስተበገሰ ድሕሪ 12 ደቓይቕ ናብ ባሕሪ ጃቫ ድሕሪ ምንቋቱ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 189 ሰባት ጠፊኦም።
ብድሕርዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ መገዲ ሓንቲ ቦይንግ ድሕሪ ምውዳቓ ብሰንኪ ጸገማት ናይ ሞደል 737 ማክስ ናይ $2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ። ድሕርቲ ክልተ ህይወት ኣማኢት ዝቐተለ ፍጻመ ኩባኒያ ቦዪንግ እተን ዓይነት ነፈርቱ ንክልተ ዓመት ከየብርር ተኣጊዱ ኔሩ።
እታ ብቐዳም ኣብ ኢንዶነዥያ ዝወደቐት ነፋሪት ግና ናይ MAX ሞዴል ኣይኮነትን፡ ሰብ መዚ ከምዝገለጽዎ ድማ 26 ዓመታት ዝገበረት እያ።
ground, were killed when a military plane crashed shortly after takeoff in Medan on Sumatra island.