62 ሰባት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት'ሞ ካብ ኣየር ዝተሰወረት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ኣብ ካብ ኢንዶነዥያ ወጻኢ ኣብ ዉቅያኖስ ኣትያ ክትከውን ትኽእልያ ተባሂሉ።

10 ካብቶም 62 ተሳፈርቲ መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ቆልዑ ምንባሮም ተፈሊጡ።

Relatives of passengers arrive at a crisis centre at Soekarno-Hatta International Airport in Tangerang

Relatives of passengers arrive at a crisis centre at Soekarno-Hatta International Airport in Tangerang Source: AP

ናይ ኢንዶነዥያ ባጀት ነፋሪት 62 ሰባት ጽዒና ካብ ጃካርታ ብቐደማ ምስተበገሰት ዝጠፍአት ኣብ ባሕሪ ኣትያ ትኽእልያ ክብሉ ሰብ መዚ ይገልጹ ኣለዉ።

  ምልክታት መስመር በረራ ከምዝሕብሮ መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ቦይንግ 737-500 ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነገርቲ ሶካርኖ ሃታ ምስተበገሰት ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ናብ ማዕሙቕ ባሕሪ ተነቚታ ክትከውን ትኽእልያ ኢሎም።

10 ቆልዑ ዝርከብዎም 62 ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታት እታ ኣየርን ኣብታ ኣየር ተሳፊሮም  ከምዝነበሩ ናይ ኢንዶነዥያ ሚኒስተር ትራንስፖርት ቡዲ ካርያ ሱማዲ ንጋዜጠኛታት ገሊጻ።

እቲ እታ ኣየር ወዲቓትሉ ተባሂሉ ዝጥርጠር ኣብ ጥቓ ናይ ኢንዶነዥያ ደሴት ክኸውን ይኽእልዩ ተባሂሉ።
This radar image shows the flight path of Indonesian Sriwijaya Air Flight 182 before it dropped off radar, Saturday, Jan. 9, 2021.
This flight path of Indonesian Sriwijaya Air Flight 182 before it dropped off radar, Saturday, Jan. 9, 2021. Source: AP/Flightradar24.com
መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ በረራ ቁጽሪ SJ182 ቀዳም ናይ ምሸት ምብራር ድሕሪ ምጅማር ዝወደቐ ኮይና ካብ ራዳር ምስጠፍ አት ብኡ ንብኡ'ዩ ድልያ ተጀሚሩ።

ሃንደበታዊ ንቑታ

ካብ ራዳር ዝተረኸበ ናይ በረራ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እታ ነፋሪት ኣብ ክብታ 11,000 ጫማ(3,350 መተሮ) ድሕሪ ምብጻሓ ሃንደበት ናብ 250 ጫማ ለጠቕታ ኣርእያ፡ ብድሕርዚ ርክብ ተቛሪጹ።

"መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ በረራ ቁጽሪ SJ182  ኣርባዕተ ደቒቕ ካብ ጃካርታ ተበጊሳ ምብራር ምስጀመረት ሓደ ደቒቕ ኣብዘይመልእ ግዚ እያ ልዕሊ 10,000 ጫማ ናብ ታሕቲ ወሪዳ።" ብምባል እቲ ዝከታተኣ ዘሎ በዓል መዚ ኣብቲ ወግዓዊ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣስፊሩ።

ሓደ ናይ Kompas TV ሪፖርት ካብ ጃካርታ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ጥቓ ሓደ ደሴት ስብርባር ናይታ ነፋሪት ዝረኣዩ ናይቲ ከባቢ ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝነገርዎ ጸብጺቡ፡ እንተኾነ መረጋገጺ ኣይተዋህበ።

እታ ነፈራት ንምንታ ብቕጽበት ከምዝጠፍአት ዛጊት መብርሂ ኣይሃቡን ዘለዉ።

እንተኾነ ናይ ትራንስፖርት ሚኒስተር ሱማዲ፡ እቲ ነፋሪት ካብ ራዳር ቅድሚ ምጥፋኣ ካብ መስመራ ወጺኣ ኔራ።
20210110001512700378-original.jpg
እቲ 19 ቦዪንግ ጀት ዝዉንን መገዲ ኣየር ባጀት ኣብ ዉሽጢ ኢንዶነዢያን ደቡባዊ ምብራቕ ኤሽያ በረራታት ዘካይድ ኮይኑ ብዛዕባቲ ምጥፋእ ሃለዋት ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ጥቅምቲ 2018 ላየን ኤየር ቦይንግ 737 ማክስ ጀት ናይ ሓደ ሰዓት በረራ ንምግባር ካብ ጃካርታ ምስተበገሰ ድሕሪ 12 ደቓይቕ ናብ ባሕሪ ጃቫ ድሕሪ ምንቋቱ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 189 ሰባት ጠፊኦም።

ብድሕርዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ መገዲ ሓንቲ ቦይንግ ድሕሪ ምውዳቓ ብሰንኪ ጸገማት ናይ ሞደል 737 ማክስ ናይ $2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ። ድሕርቲ ክልተ ህይወት ኣማኢት ዝቐተለ ፍጻመ ኩባኒያ ቦዪንግ እተን ዓይነት ነፈርቱ ንክልተ ዓመት ከየብርር ተኣጊዱ ኔሩ።

እታ ብቐዳም ኣብ ኢንዶነዥያ ዝወደቐት ነፋሪት ግና ናይ MAX ሞዴል ኣይኮነትን፡ ሰብ መዚ ከምዝገለጽዎ ድማ 26 ዓመታት ዝገበረት እያ።

 ground, were killed when a military plane crashed shortly after takeoff in Medan on Sumatra island.


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service