ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ
26 ግንቦት 2021 • ጸብጻብ
እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘሎ ዞባውን ዓሌታውን ምክፍፋል ምዝያዱ ኣዝዩ የተሓሳስበኒ ኣሎ። እቲ ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፡ እንተላይ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ጾታዊ ኣመጽ ፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ከብቅዕ ዘለዎን እዩ ። እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ዓሌትን ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ሃገሮም ሰላምን ደሓንን ክረኽቡ ኣለዎም ። ፖለቲካዊ ቝስሊ ብሓይሊ ኣጽዋር ክፍወስ ኣይክእልን እዩ ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓይሊታት ምቁራጽ ተኹሲ ክእውጁን ኣብቲ ስምምዕ ክጸንዑ ኣለዎም ፡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ድማ ካብቲ ቦታ ክስሕቡ ኣለዎም ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ው.ሕ.ሃ. ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብሰንኪ እዚ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ናይ መጀመርታ ጥሜት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ ። ኩሎም ወገናት ፡ ብፍላይ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ኣብቲ ዞባ ጥሜት ምእንቲ ከየስፋሕፍሕ ፡ ቅልጡፍን ን ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ምዕንቃፍ ክግትኡ ኣለዎም።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንመራሕትን ትካላትን ኢትዮጵያ ዕርቂ: ሰብኣዊ መሰላት: ከምኡውን ንብዙሕነት ኣኽብሮት ከርእዩ ተማሕጺኑ። ከምኡ ምግባር ፡ ሓድነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይታ ሃገር ክሰፍን ፡ ድሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ብህጹጽ ዘድሊ ሓገዝን ከኣ የምጽእ ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰብ-መዚን ፡ ኣብ ዘየማትእ ዘተ ክኣትዉ ይግባእ ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዕያይ ፡ ንፖለቲካዊ መጻኢ እታ ሃገር ሓባራዊ ራእይ ክሃንጽን መሰረት ዘላቒን ማዕረን ቊጠባዊ ዕብየትን ብልጽግናን ከንጽፍን ይኽእል እዩ ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ነዚ ብድሆታት እዚ ንምፍታሕ ፡ ኣብ መንጎ ክልተና ህዝብታት ዝጸንሐ ድልዱል ዝምድና ንምህናጽን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ካልኦት ኣህጉራውያን መሻርኽትን ኰይና ንምዕያይን ትሰርሕ ኣላ ። ናይ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍ ፈልትማን ነቲ ኣብ መላእ 'ቲ ዞባ ዝተፈጥረ ሓድሕዳዊ ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ይመርሕ ኣሎ ፡ እዚ' ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ንድሌት ኩሎም ወገናት ዘማልእ ውሳነ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ ። ፍሉይ ልኡኽ ፈልትማን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብቲ ዞባ ክምለስ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ዕቤት ድማ ከፍልተኒ እዩ ። ኣብ ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማሲ ክብርታትና የንጸባርቑ ፡ ናጽነት ምኽባር ፡ ኣድማሳዊ መሰላት ምኽባር ፡ ልዕልና ሕጊ ምኽባር ፡ ከምኡ "ውን ንኹሉ ሰብ ብኽብሪ ምሓዝ እዩ።