ጋዜጣዊ መግለጺ ፕረ ጆ ባይደን ብዛዕባ ቅልውላው ኢትዮጵያ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን ቅልውላው ዝምልከት ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡

Statement by President Joe Biden on the Crisis in Ethiopia

Source: AAP

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ
26 ግንቦት 2021 • ጸብጻብ
እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘሎ ዞባውን ዓሌታውን ምክፍፋል ምዝያዱ ኣዝዩ የተሓሳስበኒ ኣሎ። እቲ ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፡ እንተላይ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ጾታዊ ኣመጽ ፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ከብቅዕ ዘለዎን እዩ ። እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ዓሌትን ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ሃገሮም ሰላምን ደሓንን ክረኽቡ ኣለዎም ። ፖለቲካዊ ቝስሊ ብሓይሊ ኣጽዋር ክፍወስ ኣይክእልን እዩ ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓይሊታት ምቁራጽ ተኹሲ ክእውጁን ኣብቲ ስምምዕ ክጸንዑ ኣለዎም ፡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ድማ ካብቲ ቦታ ክስሕቡ ኣለዎም ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ው.ሕ.ሃ. ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብሰንኪ እዚ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ናይ መጀመርታ ጥሜት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ ። ኩሎም ወገናት ፡ ብፍላይ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ኣብቲ ዞባ ጥሜት ምእንቲ ከየስፋሕፍሕ ፡ ቅልጡፍን ን ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ምዕንቃፍ ክግትኡ ኣለዎም።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንመራሕትን ትካላትን ኢትዮጵያ ዕርቂ: ሰብኣዊ መሰላት: ከምኡውን ንብዙሕነት ኣኽብሮት ከርእዩ ተማሕጺኑ። ከምኡ ምግባር ፡ ሓድነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይታ ሃገር ክሰፍን ፡ ድሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ብህጹጽ ዘድሊ ሓገዝን ከኣ የምጽእ ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰብ-መዚን ፡ ኣብ ዘየማትእ ዘተ ክኣትዉ ይግባእ ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዕያይ ፡ ንፖለቲካዊ መጻኢ እታ ሃገር ሓባራዊ ራእይ ክሃንጽን መሰረት ዘላቒን ማዕረን ቊጠባዊ ዕብየትን ብልጽግናን ከንጽፍን ይኽእል እዩ ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ነዚ ብድሆታት እዚ ንምፍታሕ ፡ ኣብ መንጎ ክልተና ህዝብታት ዝጸንሐ ድልዱል ዝምድና ንምህናጽን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ካልኦት ኣህጉራውያን መሻርኽትን ኰይና ንምዕያይን ትሰርሕ ኣላ ። ናይ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍ ፈልትማን ነቲ ኣብ መላእ 'ቲ ዞባ ዝተፈጥረ ሓድሕዳዊ ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ይመርሕ ኣሎ ፡ እዚ' ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ንድሌት ኩሎም ወገናት ዘማልእ ውሳነ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ ። ፍሉይ ልኡኽ ፈልትማን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብቲ ዞባ ክምለስ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ዕቤት ድማ ከፍልተኒ እዩ ። ኣብ ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማሲ ክብርታትና የንጸባርቑ ፡ ናጽነት ምኽባር ፡ ኣድማሳዊ መሰላት ምኽባር ፡ ልዕልና ሕጊ ምኽባር ፡ ከምኡ "ውን ንኹሉ ሰብ ብኽብሪ ምሓዝ እዩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service