መግለጺ ኮሚሽነር ናይ ላዕለዋይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ

ኮሚሽነር ናይ ላዕለዋይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ'ዩ።

UNHCR concerned about Eritrean Refugees in Tigray

Source: UN

ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ብዙሕ የተሓሳስበኒ እዩ ። ኣብ ሕዳር 2020 ተጻብኦታት ካብ ዝኽሰት ንነጀው: በቲ ኣብቲ ዞባ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓመጻን ቅሳነትን ብዙሕ ተጸልዮም እዮም ። ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ጉጅለታት ተሓይሮም ፡ ክልተ መዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ሂወቶም ንምድሓን ክስደዱ ተገዲዶም ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኻየደ ደማዊ ግጭት ፡ በቲ ሓደ ወገን ወይ በቲ ካልእ ወገን ከም እተራኸቡ ዝገልጽ ናይ ሕነ ምፍዳይን ናይ ምውራድን ናይ ምእሳርን ዓመጽን ጸብጻባት ቀሪቡልና ኣሎ ።

 

ኣብ ልዕሊ'ቶም  ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ዝፍጸሙ ሓፈሻዊ ገበነኛታት ፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ግዜ ለይቲ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ኣዚዩ ዝርብሽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ሽረ ተታሒዞም እዮም ። ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከቡ ሰበስልጣን መንግስቲ መብርሂ ሓቲትና ኣለና ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም ዘለው ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ድማ ሓቲትና ኣለና ። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ካልእ ኣዝዩ ከቢድ ክሲ ዝምልከት ጸብጻባት ሰሚዕና ኣለና ፡ ከምኡ 'ውን ፈደራላዊ መንግስቲን መንግስቲ ክልል ትግራይን ኣብ ኩሉ ሓቅነት ዘለዎ ክሲታት ወግዓዊ መርመራ ክገብሩ ንጽውዕ ።

 

ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓመጽን ምፍርራሕን ጠጠው ክብል ኣለዎ ። እቶም ስደተኛታት ሰላማውያን ሰባትን መሰል ኣህጉራዊ ውሕስነት ዘለዎምን እዮም ። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት (UNHCR) ንኹሎም ወገናት ይኹኑ ተዋሳእቲ ምስቲ ዘለዎም ኣህጉራዊ ሕጋዊ ግዴታታት ማለት ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ፡ ነቶም ስደተኛታት ፖለቲካዊ ነጥቢ ንምምዝጋብ ካብ ምጥቃምን ምብልሓትን ደው ከብሉ ይጽውዕ ።

ናይ ሓባር ጠመተና ኣብ  ካብ ዓመጽን ማእሰርትን ምውራድን ምክልኻልን ከምኡውን ሓገዝ ኣብ ምርካብ ክኸውን ኣለዎ ። እዚ ማለት ነቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ደምበታት ሽመልባን ሕጻጽንን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ውሑስ ኣብ ዝኾነ ሓድሽ መዓስከር ንምግዓዝ ብህጹጽ ምህናጽ ማለት እዩ ። ንስደተኛታትን ካልኦት ክልተ ሚልዮን ተመዛበልትን ንምሕጋዝ ናይ ነዳዲን ጥረ ገንዘብን ሓገዝ ምርካብ ማለት እዩ ። እዚ ማለት ነቲ ሰብኣዊ ግብረመልሲ ንምህዳእ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ባንክ ኣገልግሎታትን ናይ ኤሌትሪክን መራኸቢታትን መርበባት ንምምላስ ማለት እዩ ። ከምኡ 'ውን ኣብ ሽረን መቐለን መዕርፎ ነፈርቲ ምኽፋት ማለት ፡ ከምኡ' ውን ካብ ጎረባብቲ ዞባታት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝኣትው ኩሉ መስመራት መሬት ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ኢድ እቶም ዘድልዮም ዝያዳ ሓገዝ መታን ክረኽቡ ፡ - ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኩሎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጽልዋ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባትን ምኽፋት ማለት'ዩ።

 

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ኣብ ምቕራብ ናውቲ ረድኤትን ኣብ ምውፋር ተወሰኽቲ ላዕለዎት ሰራሕተኛታትን ግብረመልሲኡ የቃልሕ ኣሎ ። እንተኾነ ግን ንሰላማውያን ሰባት ፡ እንተላይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምሕላውን ሰብኣዊ ረድኤት ንምቅልጣፍ ዝግበር ጻዕሪ ብኹሎም ወገናት ብህጹጽ ዘድሊ  ስራሕ እዩ ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service