SKIP TO MAIN CONTENT

መግለጺ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራሊያ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት

ኣውስትራሊያ ነቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ኩሎም ወገናት ካብ ጎንጺ ክዓርፉ ትጽውዕ ።

News
Source: AAP

1 min read

Published

Updated


Skip to article content

ኣውስትራሊያ ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘጋጠመን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት እናገደደ ምምጽኡን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ ። ኣውስትራሊያ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፣ ወሲባዊ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣዊ ሓገዛት ዘሎ ምዕጋትን ኮኒናቶ ።

እቲ ግጭት ካብዝጅምር ሓደ ዓመት ክኾኖ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ኣብ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ኩነታት ፈጢሩ እዩ ።

ኣውስትራሊያ ነቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ኩሎም ወገናት ካብ ጎንጺ ክዓርፉ ትጽውዕ ። ከምኡ'ውን ሰብኣውያን ትካላት ነቶም ዝተጸልዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንኽገብሩ ክፍቀደሎም ይግባእ ኢላ።

ኣውስትራልያ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ከብሉን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ርግኣት ሃገርን ኣብ ዘውሓሰ መፍትሒ ክበጽሑን ትምሕጸን ።

ብዙሓት ኣውስትራሊያውያን ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝኾነ ምትእስሳር ኣለዎም ። ነቶም በቲ ግጭት እተጸልዉ ስድራ ቤትን ፈተውትን ኣዕሚቘ ሓዘነይ ክገልጸሎም እደሊ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now