ኣውስትራሊያ ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘጋጠመን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት እናገደደ ምምጽኡን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ ። ኣውስትራሊያ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፣ ወሲባዊ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣዊ ሓገዛት ዘሎ ምዕጋትን ኮኒናቶ ።
እቲ ግጭት ካብዝጅምር ሓደ ዓመት ክኾኖ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ኣብ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ኩነታት ፈጢሩ እዩ ።
ኣውስትራሊያ ነቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ኩሎም ወገናት ካብ ጎንጺ ክዓርፉ ትጽውዕ ። ከምኡ'ውን ሰብኣውያን ትካላት ነቶም ዝተጸልዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንኽገብሩ ክፍቀደሎም ይግባእ ኢላ።
ኣውስትራልያ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ከብሉን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ርግኣት ሃገርን ኣብ ዘውሓሰ መፍትሒ ክበጽሑን ትምሕጸን ።
ብዙሓት ኣውስትራሊያውያን ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝኾነ ምትእስሳር ኣለዎም ። ነቶም በቲ ግጭት እተጸልዉ ስድራ ቤትን ፈተውትን ኣዕሚቘ ሓዘነይ ክገልጸሎም እደሊ።