ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ዝተመርዓወ ኢጣልያ ትሕበነሉ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ሓወልቱ ቀይሕ ተለሚጹ፡ ክወርድ ዝጠልቡ መጸዋዕታታት ወሲኾም

መግዛእታዊ ድሕረባይታ ናይ ሓደ ኣዝዩ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ፡ ኢንድሮ ሞንታነሊ፡ ኣብ ግዜ ተቓውሞታትን ሰልፍታትን ምንቅስቓስ ንክብሪ ጸለምቲ ዝጽውዕ 'ብላክ ላይቭስ ማተር'፡ ቆላሕታ ስሒቡ ኣሎ።

Indro Montanelli

ኢንድሮ ሞንታነሊ Source: CNN

እዚ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ንክብሩ ተባሂሉ ዝተተኽለ ሓወልቲ፡ ቅድሚ ሕጂ በቶም 'ቀይሕ ብርጌድ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ሕሉፍ ጸጋማውያን ካብ'ቲ ዝነበሮ መናፈሻ ፓርክ ክእለ ክሕተተሉ ዝጸንሐ፡ በዞም ናይ ሕጂ ተቓወምቲ ብቀይሕ ቀለም ተለኽዩ ምስ ተደወነ'ዩ። 
 
ኣብ እግሪ'ቲ ናይ ብሩር ሓወልቲ "ዓሌታዊ' ን 'ዓማጺ" ን ዝብሉ ቃላት ብድሙቕ ተጻሒፎም፡ ከባቢ ኣርባዕተ ታኒካታት ቀለም ተደራብዩ ኔሩ። ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማን ወለንተኛታትን ድሒሮም ነቲ ሕብርታት ሓጺቦም ብምጽራይ ነቲ ሓወልቲ ብፕላስቲክ ሸፊኖሞ። 
ከንቲባ ከተማ ሚላን፡ ጁዘፐ ሳላ፡ ዝሓለፈ ሰንበት እዚ ሓወልቲ መዋቲ ኢንድሮ ሞንታነሊ ክወርድ ንዝቐረበ ጻውዒት ነጺግዎ፡ እንተኾነ ግን ኢንድሮ ኣብ ግዜ መግዛእታዊ እዋናት 1930ታት ጓል 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት መርዓት ከምዝነበረቶ ተኣሚኑ። 
 
ኣብ 1935-36 ኢንድሮ ሞንታነሊ ወዲ 26 ዓመት እንከሎ ነዛ 'ደስታ' ዝስማ ህጻን ከምዝገዝኣን ንጾታዊ ጽምኣቱ ባርያ ከምዝገበራን ብሓበንን ኩርዓትን ኣዊጁ'ዩ። ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ንሱ ኣብ ካልኣይ ኲናት ኢታሎ-ኢትዮጵያ የገልግል ኔሩ። 
 
ኣብ 1969 ኣብ ሓደ መደብ ዕላል ጋሻ ኮይኑ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ሓንቲ ካብ'ቶም ተዓዘብቲ ኣብ'ቲ መደብ ዝነበረት ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት ኢጣልያዊት ጋዜጠኛን ተጣባቒትን ኤልቪራ ባኖቲ ዘቕረበትሉ ሕቶን ርእይቶን ነቲ ንሱ ዝትርኾ ዛንታ ፍቕሪ ብምብዳህ ዓማጽን ጎነጻዊ መግዛእታዊ ባህሪን ዝተላበሰ'ዩ ክትብል ከሲሳቶ። 
 
ኢንድሮ ሞንታነሊ ግን እቲ ዝፈጸሞ ኣካል'ቲ ንቡር ባህሊ ናይ'ቲ ቦታ ከምዝኾነን ኣብ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከኣ ልሙድ ከምዝነበረን ድሕሪ ምግላጽ 'ስለ ዝገዛእኩዋ እየ ተመርዕየያ' ክብል ብፍሽኽታ መሊሱ።
 
ጋዜጠኛ ቦነቲ ነታ 'ሰበይቱ' ዓሚጽዋ እንተኾይኑ ምስ ሓተተቶ ንሱ ነቲ ሕቶ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ምምላስ ምርዑዋትን ሰብ ሓዳርን ስለዝኾንና ዓመጽ ዝበሃል ሕቶ የለን ክብል መሊሱ።
 
ንሱ ብተወሳኺ ኣዋልድ ኣብ ኤርትራ ኣብ 12 ዓመት ዕድሚአን ስለዝምርዓዋ ምዕማጽ ዝበሃል ኣይፈጸምኩን፡ ኣብ ኤውሮጳ እንተዝኸውን ኔሩ ግን ካልእ ምኾነ ክብል ገሊጹ።
 
ኣብ ጋዜጣ ኮሪየረ ደላ ሴራ ኣብ 2000 ዓም ካብ ሓደ ኣንባቢ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ ዕድመ ናይ'ታ ኤርትራዊት ጓል 14 ክብል ገሊጽዎ፡ ንሱ ካብ ኤርትራ ናብ ዓዱ ኢጣልያ ምስ ተመልሰ እታ ጓል ካልእ ኤርትራዊ ከምዝተመርዓወትን ካብ'ቶም ድሒራ ዝወለደቶም ሰለስተ ደቃ ነቲ ቀዳማይ 'ኢንድሮ' ኢላ ስም ከምዘውጽኣትሉን ኣዘንቲዩ። ኣብ 1952 ንኤርትራ ተመሊሱ ኣብ ዝኸደሉ እዋን 'ልክዕ ከም ኣቦኣ ጌራ ተቐቢላትኒ' ክብል ጽሒፉ።
 
ሞንታነሊ ብተወሳኺ ብዛዕባ መርዕኡ ኣብ ሓደ ኣብ 2000 ዓም ዝተሓትመ 'ላ ስታንዛ ሞንታነሊ' ዘርእስቱ እኽብኻብ ጽሑፋት ዝሓዘ መጸሓፍ ብሰፊሑ ኣዘንቲዩ። 
 
በቲ ኣብ ቪየና ዝመደበሩ ኢንተርናሽናል ፕረስ ኢንስቲትዩት ኣብ 2000 ዓም ሓደ ካብ'ቶም 50 ጀጋኑ ነጻነት ፕረስ ዓለም 'ዎርልድ ፕረስ ፍሪዶም ሂሮስ' ተባሂሉ ስልማት ተዓዲሉ። 
 
ጋዜጠኛ ወጻኢ ጉዳያትን ኲናትን ብምዃን ስሙ ዝገነነ ሞንታነሊ ካብ ግዜ መግዛእታዊት ኢጣልያ ጀሚሩ፡ ፋሺዝም፡ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ክሳብ'ቲ ኣብ 90ታት ንፖለቲካዊ መደብ ኢጣልያ ዝገምጠለ ቃልሲ ጸረ-ብልሽውናን ንዝነበረ ኩነታት'ታ ሃገር ብሰፊሑ ብምጽሓፍ'ዩ ዝፍለጥ።
 
ኣብ 1977 ዓም በቶም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ውሽጢ ሃገር ተባሂሎም ዝግለጹ ቀያሕቲ/ሬድ ብርጌድ ኣብ እግሩ ተተኲስሉ ኣርባዕተ ግዜ ተወጊኡ። ሞንታነሊ ብዙሓት ካብ'ዞም ናይ ሕጂ ዝለዓሉ ጋዜጠኛታት ከምዝኾስኮሰ ይንገረሉ።
 
ንሱ ናይ'ታ ሲልቪዮ ቤርሉስኮኒ ዝመስረታ 'ኢል ጂዮርናለ' ጋዜጣ ዋና ኣሕታሚ ወይ ኤዲተር ቅድሚ ምዃኑ ምስ ጋዜጣ ኮሪየረ ደላ ሴራ ንብዙሕ ዓመታት ሰሪሑ። ቤርሉስኮኒ ፖለቲከኛ ምስ ኮነ ግን ካብ'ታ ጋዜጣ ብወግዒ ዝተሰናበተሉ ሓደ ካብ ዝዝከረሎም ተግባራት'ዩ። 
 
ሞንታነሊ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ 2001 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
 
ከንቲባ ሚላን ንምንታይ ነቲ ሓወልቲ ከምዘየውርዶ ክገልጽ እንከሎ፡ ንኢንድሮ ወሲኽካ፡ ኩሉ ሰብ ጌጋ ይፍጽም'ዩ፡ እቲ ኣበርክትኡ ካብ'ቲ ጌግኡ ስለዝዓቢ ግን ሚላን ብብቕዓቱ እትሕበነሉ ቅርሲ'ዩ ኢሉ። እታ ብርቂ ዝኾነት ብርዑ ንዘልኣለም ከተዘክሮ'ያ ክብል ከኣ ወሲኹ። 
 
ሓወልቲ ሞንታነሊ ግን ሕጂ ጥራይ ኣይኮነን ከም'ዚ ዓይነት ተቓውሞታት ዘጋጥሞ ዘሎ። መጋቢት 8፡ 2019 ኣብ መዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም ካብ ጉጅለ 'ናን ኡና ዲ መኖ' ዝኾና ተጣበቕቲ ደቀንስትዮ ብሮዛ ሕብሪ ቀለም ዘለዎ ቦያ ለቕሊቐንኦ ኔረን እየን። 


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ዝተመርዓወ ኢጣልያ ትሕበነሉ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ሓወልቱ ቀይሕ ተለሚጹ፡ ክወርድ ዝጠልቡ መጸዋዕታታት ወሲኾም | SBS Tigrinya