ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣይኮናን መኻን ዝኾና፡ ንስቲቨን መኻን ዝገበሮ ኩነታት እንታይ ነይሩ፧

ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ ፡ መኻንነት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ ። ኣንስቲ ብዛዕባ ምውላድ ደው ዘብላሉ ስነ-ህይወታዊ ሰዓተን ዝፈልጣ እኳ እንተ ኰና ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ እውን እንተ ኰኑ ፡ ናይ ፍርያምነት ግዜኦም ውሱን ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም ።

a man and a woman smiling

ሳራን ስተቨን ጊላምን ንኽወልዱ 10 ዓመታት ፈቲኖም ብIVF. ተሓጊዞም ንምውላድ ልዕሊ $150,000 ውን ኣጥፊኦም። Source: SBS


ውሉዳት ክህልውኻ ኣብ እትደልየሉ እዋን ፡ ብሰንኪ መኻንነት ክትወልድ ኣይትኽእልን ኢኻ ክትበሃል ኣዚዩ መንፈስ ዝሰብር ዜና እዩ።

ስቲቨንን ሳራ ጊላምን ፡ ስቲቨን ክወልድ ዘይክእል ምዃኑዝሰምዑላ ህሞት ክሳዕ ክንደይ ኣጨናቒት እዋን ምንባሩ ይዝክሩ ።

"ብንብዓት ኢና ተሓጺብና" ክትብል ሳራ ንመደብ SBS ኢንሳይት ፡ ገሊጻ ። "መንእሰያት ሰብ ሓዳር ስለ ዝዀንና ፡ 'ስለምንታይ ከምዚ ክኸውን ይኽእል' ኢልና ንሓስብ ኔርና "
ስቲቨን ተወሳኺ መርመራ ምስ ተገብረሉ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ 500 ሰብኡት ንሓደ ሰብ ዝጸሉ ፡ Klinefelter Syndrome ዝብሃል ኣብ ዘር ኢ ዘጋጥም ጥዕናዊ ጸገም ከም ዘለዎ ተፈልጠ ።
ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ ተወሳኺ x ክሮሞዞም ዘለዎም ድማ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ሆሮምን ደቂ ተባዕትዮ ወይ ተስተስትሮን የምርሕ ፣ እዚ ንመፍረ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ይጸሉ ።
ስቲቨን ንመደብ SBS ኢንሳይት ፡ " ዝፈሸልኩ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" በለ ።
ሓካይም ነቶም ሰብ ሓዳር ክልተ መፍትሒ ኣቕረቡሎም ፡ - ንምጥናስ ካብ ካልእ ሰብ ዝልገስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምጥቃም ወይ ስቲቨን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተ ኣልይዎ ንምርግጋጽ ፡ መርመራታት ክገብሩሉሞ ባዮፓፕሲ ክገብሩሎም ፡ እቲ ዝርከብ ዘርኢ ድማ ኣብ IVF መስርሕ ወሊድ ክካየድ ዝብል እዩ።

a woman wearing a teal dress looking up at a man wearing a white shirt
Sarah and Steven were determined to have a child. Source: SBS
ሳራ ፡ "ስቲቨን ብስነ ህይወታዊ መዳይ ኣቦ ክኸውን ዝኽእል እንተ ኰይኑ ፡ ነዚ ክንፈልጦ ኢና እንደሊ" በለት ።

ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ፡ ሓካይም 11 ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ (ስፐርም) ረኺቦም ። ኰይኑ ግና ፡ ሳራ ነታ እንቋቝሖኣ እተፍርየላ መዓልቲ ፡ ግዜ ወሳኒ ኔራ ። ሓካይም 12 እንቋቝሖ ወሰዱ ፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ደቆም ናይ ምውላድ ዕድሎም ተጸበዩ ።
an older man wearing glasses
Fertility specialist Dr Bill Ledger says men tend to only become aware of poor sperm health and contributing infertility conditions once it's too late. Source: SBS

ወጻኢታት ጥንሲ

ይኹን እምበር ፡ ብ ኣሻሓት ዶላራት ኣጥፊእካ'ውን ከም ኩሉ ናይ IVF መስርሕ ዉሉድ ናይ ምርካብ ውሕስነት የብሉን ።

"ኣብ ቀራና መገዲ ኢና ኔርና ፣ ቤትን ተወሳኺ ትሕዝቶ ኣሎናዶ ? ብመገድታት IVF ዲና ክንሓልፍ ዘለና ፡ ውሉዳት እውን ኽንወልድ ንኽእል ዲና ?" ብምባል ሳራ ። "ናይ ብሓቂ ጠላዕ እዩ ነይሩ፡ ክሳብ ሎሚ ተኻሪና ኣለና ።"

ዶክተር ቢል መርገር ኣብ ሆስፒታል ሮያል ሲድኒ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ክኢላ ሕክምና ፍርያምነት እዩ ። ዶክተር ናይ ጊላም እኳ እንተ ዘይኰነ ፡ ኣብ ናይ 30 ዓመት ተመክሮኡ ፡ ብዙሓት ናይ መኻንነት ጸገማት ዘለዎም ሕሙማት ርእዩ እዩ ።

ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ መኻንነት ንምውሳን ፡ ሓካይም ሰለስተ ነገራት ኣብ ግምት የእትዉ፡ ቍጽሪ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ፡ ቅርጺ ናይ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይን ጉያኡን (ናይ ምንቅስቓስ ክእለት) ።

ሓደ ሰብኣይ ፡ "ንፍርቂ እቶም ድኹም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘለዎም ሰባት ፡ ንጹር ምኽንያትኣይተረኽበሎምን" በለ ። ምናልባት እውን ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ከምኡ ኰይኖም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ፣ እንተኾነ ጸገም ከምዘለዎም ዝፈልጡ ክወልዱ ምስ ደልዩ እዮም "በለ።

መጠን መኻንነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሽዱሽተ ሰባት እቲ ሓደ ብመኻንነት ይጽሎ ።

ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ፡ ሓፈሻዊ ጽርየት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ብዙሓት ክኢላታት ይኣምኑ እዮም ።

"ዘከራኽር እኳ እንተ ኰነ ፡ ብምኽንያት ጉድለት ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እናነከየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ" በለ ። "ሕማም ሽኮር: ምኽራሽ: መድሃኒታት ምውሳድ ብርሒ ንምጉዳል ዝውሰዱ መድሃኒታትን ገለ ካብቶም ጠንቂታት እዮም" በለ።

ይኹን እምበር: ሰብኡትን ኣንስትን ንኸይፋረዩ ዕንቅፋት ዝዀኖም ሓደ ፍሉጥ ምኽንያት ኣሎ ።

"ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዙሓ ሰባት ኣቦ ወይ ኣደ ንምዃን ክሳብ ዝኣርጉ ዝጽበዩ ምህላዎም እዩ ።"

ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ስነ-ህይወታዊ ሰዓተን ካብ ቀደም ኣትሒዘን እየን ዝፈልጣ ። መብዛሕትአን ኣንስቲ ኣብ መወዳእታ 30ታትን መጀመርታ 40ታትን ዓይነቱ ዝጎደለ እንቋቝሖ ይህልወን ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰብኡት ባዮሎጂካዊ ሰዓት ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን እዮም: ኣብ 45 ዓመት ዕድማ ናይ ሰብኣይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እናንቈልቈለ ከምዝኸይድ ሓደ ተመራማሪ ይገልጽ: እቲ ጽልዋ ኣብቶም ካብ ዓበይቲ ኣቦታት ዝውለዱ ህጻናት ብዙሕ ሕልኽላኻት ከምጽእ ይኽእል እዩ ።

"ዕድሚአን ካብ 35 ዓመት ንላዕሊ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ፡ ከም ምንጻል ጥንሲ ፡ ዳውን ሲንድሮም ዝኣመሰለ ነገራት ከጋጥመን ይኽእል እዩ" በለት ። "እንተዀነ ግን: እቲ ኣቦ እንተ ዓብዩ: ኣብ ሰብ ሓዳር ናይ ምብርዓን ስግኣተ-ሓደጋ ይውስኽ ኣሎ: ሚዛን ዝውለዱ ህጻናት ይፈኲስ: መንሽሮታት: ብተወሳኺ ዘይስሩዕ ዉልደት ልሙድ እዩ ።"
A young couple on a tropical island
Tenille and Jamie say they've never felt the urge to have children. Source: SBS

'ንምውላድ ግዜ ከይዓርበኩም ኣይትደንጉዩ'

ሳራን ስቲቨንን ቈልዑ ዘይምውላድ ኣብ ሓሳቦም'ውን ኣይነበረን ።

እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ቀራና መገዲ ደው ኢሎም ፡ ኣብ መስርሕ IVF እምነት ኣሕደሩ ። ናይ ሳራ 12 እንቋቝሖን ናይ ስቲቨን 11 ዋህዮታት ዘርኢ ተባዕታይን ምስ ተወስደን ኣብ ላባራቶሪ ምስተራኸበን ፡ ንጓሎም ተበኮሩ ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ ነቲ ናይ መወዳእታ ድቂ ረኺቦም ፣ ቻርሊ ድማ ተወልደ ።
እቲ መስርሕ 10 ዓመትን 150,000 ዶላር ኣመሪካ ዘውጽእን እኳ እንተ ነበረ ፡ ሳራን ስቲቨንን በቲ ውጽኢት ብዙሕ ኺሕጐሱ ከኣሉ ።
እቶም ሰብ ሓዳር ፡ መስርሕ ፍርያምነት IVF ክጥቀምሉ ብምኽኣሎም እንተ ኣሐጎሶምኳ ግዜ ክሳዕ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ የረጋግጹ።

ሳራ ፡ "መልእኽትና ፡ ውሉዳት ኽትወልዱ እንተ ደሊኹም ፡ ብዛዕባ ፍርያምነትኩም ዝምልከት ምስ ዕድመኹም እዩ ዝኸይድ ስለዚ ግዜ ከይመሰየ ብእዋኑ ተጠቕምሉ።" በለት ።

Share

Published

By Nabila Clarke
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣይኮናን መኻን ዝኾና፡ ንስቲቨን መኻን ዝገበሮ ኩነታት እንታይ ነይሩ፧ | SBS Tigrinya