ተመሃሮ ስርሖም ዝስኣንሉን ትምህርቶም ተንጠልጢሉ ኣብ ዝተረፈሉን እዋን ደገፍ ኣበል ናይ ኮቪድ19 ምስ ዝወሃቦም ክኣትው ተወሲኑ

ምሉእ ሰዓታት ዝመሃሩ ተመሃሮ ኣብ'ዚ መንግስቲ ስኮት ሞሪሰን ዝህቦ ዘሎ መበራበሪ ሓገዛት ኮሮናቫይረስ ክኣትው ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ተወሲኑ።

Australian universities

Source: AAP

ልዕሊ 230,000 ምሉእ ሰዓታት ዝመሃሩ ተመሃሮ ኣብ መደባት ምብርባር ኮሮናቫይረስ ክካተቱ ድሕሪ ምውሳኑ ብ$550 ኣብ ክልተ ቕነ ወሰኽ ዝተደረዐ መንግስታዊ ኣበል ክቕበሉ'ዮም።

መንግስቲ ሞሪሰን ነዚ ምጽንባር ወይ ምክታት'ቶም ኣብ ክፍሊታት ኣበል መንእሰያት (youth allowance)፡ ኦውስታዲን (Austudy) ኣብስታዲን (Abstudy) ዝጸንሑ ተመሃሮ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ውሳነ ዝወሰደ ኣብ'ቲ ሶኑይ ምሸት ኣብ ባይቶ ዝጸደቐ ጥማር ሓገዝ'ዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ማቲያስ ኮርማን እዚ ተወሳኺ ደገፍ ኮሮናቫይረስ ናብ'ቶም ምሉእ ሰዓታት ዝመሃሩ'ውን ክወሃብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 

መንግስቲ ነቲ ኣቐዲሙ ጸዲቑ ዝነበረ ጥማር ሓገዝ ምምሕያሽ ድሕሪ ምጽዳቑን ንሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎታት (social services minister) ዘይተኣደነ መዝነት ድሕሪ ምሃቡን ለውጥታት ኣብ ሕግታት ኣበል (welfare) ክገብር ሓድሽ ሕጋጋት ወይ እማመታት ድሕሪ ደጊም ኣይከድልዮን'ዩ።

c2e2d29b-22be-4058-89d0-30e33223ecff

ሚኒስተር ፋይናንስ ማቲያስ ኮርማን ኣብ ኣዳራሽ ሰነት ፓርላመንት ኣውስትራልያ 

 

ንመንግስቲ እቲ ክፍሊት ናብ ተመሃሮ ክዝርግሖ ጸቕጢ ዘካየደት፡ ካብ ሰልፊ ግሪንስ ዝኾነት ሰነተር መህሪን ፋሩቒ፡ ኣብ መላእ'ዚ ቅልውላው ንዕኦም ንምክልኻል ምቅላስ ኣገዳሲ'ዩ ኔሩ ኢላ።  

"ኣብ'ዚ ተመሃሮ ስርሖም ዝስእንሉ ዘለው ግዜን ትምህርቶም ተንጠልጢሉ ተሪፉ ዘሎን፡ ልክዕ ከም'ቲ ካልእ ዝኾነ ሰብ ተመሳሳሊ ሓገዝ ክረኽቡ ፈጺሙ ዝግበኦም'ዩ፡" ኢላ።

እዚ ሓገዝ ወይ ክፍሊት ግን ንናይ ደገ ተመሃሮ (international students) ኣይፍቀድን'ዩ። 

ሓደ the Innovative Research Universities (IRU) ዝተባህለ መርበብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነዚኦም ጉጅለ ተመሃሮ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

"IRU እዚ ደገፍ ኮሮናቫይረስ ዘይምልከቶም ወይ ከኣ ዘይግብኦም ብዙሓት ናይ ደገ ተመሃሮ ኣብ ግዜ'ዚ ቅልውላው ወጻኢታቶም ክሽፍኑ ክሽገሩ'ዮም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ደገ ተመሃሮ ናይ ክፋል ሰዓት ስርሖም እንተስኢኖም ውሑድ ኣማራጺታት ደገፍ ጥራይ ስለዘለዎም።" ኢሉ እቲ መግለጺ።


2 min read

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now