In brief
- እዚ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብ ዓለም "ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው" ፈጢሩ ከምዘሎ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ይገልጻ ።
- ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ፡ ኣብ ሱዳን ኣስታት 14 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም እዮም ።
ንሰለስተ ዓመት ብዘስካሕክሕ ኩነታት እተኻየደ ኲናት ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፡ ከምኡ እውን ናይ ወጻኢ ረድኤት ደው ምባል ፡ ሱዳን "ኣብ ገምገም ምፍራስ" ገይርዋ እዩ ። ክብል ናይ ቀደም ሚኒስተር ሱዳን ገሊጹ።
ክልተ ሓያላት ተቐናቐንቲን ወገናት ፡ እቲ ብግብጻውያን ዝድገፍ ሰራዊት ሱዳን (SAF) ን ሓይልታት ንህጹጽ ደገፍ (RSF)ን ብገለ ሃገራት ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት ፡ ካብቲ ነታ ሃገር ንምምሕዳር ዘውጽእዎ ሸቶታት ዋላ ሓንቲ ናይ ምምላስ ምልክት ኣየርኣዩን ።
እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብ ዓለም "ዝዓበየ ሰብኣውን ምምዝባልን ቅልውላው" ፈጢሩ ከም ዘሎ ኣህጉራውያን ትካላትን ትካላት ረድኤትን ይገልጹ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ብዘይ መግብን ማይን ንሚልዮናት ሰባት ብዘይሓገዝ ከም ዝገድፎም ይገልጹ ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ ፡ ካብ ሚያዝያ 2023 ንነጀው ኣብ ዘሎ ዓመታት ፡ ኣብ ሱዳን ኣስታት 400,000 ሰባት ተቐቲሎም ፣ 14 ሚልዮን ከኣ ተመዛቢሎም እዮም ፣ 20 ሚልዮን ድማ ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ ።
ኣብቲ ዞባ ሰላም እኳ እንተ ተረኽበ ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ነታ ሃገር ኣብ ፍርቂ ብምምቃላ ፡ እታ ሃገር ቅድሚ እቲ ውግእ ናብ ዝነበረቶ ክትምለስ ከምዘይትኽእል ተዓዘብቲ ይዛረቡ ።
ኣብ ሱዳን እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?
ሱዳን ድሕሪ 'ቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳን (SAF) ን ሓይልታት ንህጹጽ ደገፍ (RSF)ን ዝተላዕለ ሓያል ናይ ስልጣን ቃልሲ ፡ ኣብ 2019 ነቲ ንነዊኅ እዋን ንፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ኣል-በሽር ካብ መንበሩ ንኽዓለዉዎ መሻርኽቲ ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ።
ኣልበሺር ድሕሪ ምውጋዱ ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ንምምራሕ ተሓሊኑ ፡ ሱዳን ብናይ ሓባር ወተሃደራዊ-ሲቪል ምምሕዳር ክትመሓደር ጀሚራ ።
ይኹን እምበር ፡ እዚ ተነቃፊ ስርዓት ምሕደራ ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ብ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ፡ "ሑመቲ" ተባሒሉ ዝፍለጥ ፡ መራሒ RSF ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ዝነበረ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ፡ ዕልዋ ፈጺሙ ።
እቲ ዕልዋ ነቲ መራሒ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝነበረ ዓብደላ ሓምዶክ ኣወገዶ ፡ ናብ ደሞክራስያዊ ምምሕዳር ብሰላም ናይ ምስግጋር ተስፋ ድማ ኣብነኖ ።
ኣብ ፈለማ ፡ ኣል-ቡርሃንን ሑመቲን ወተሃደራዊ ቍጽጽር ንምድልዳል ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዝሳነዩ ኮይኖም እዮም ተራእዮም ፣ ነዊሕ ኸይጸንሐ ግና ኣብ መንጎኦም ውጥረት ተፈጥረ ። ቀንዲ ምንጪ ምፍሕፋሕ ድማ ን RSF ምስ ስሩዕ ሰራዊት ንምውህሃድ ዝነበረ ውጥን ምእባዩን፡ በዚ ድማ ኣየናይ ጕጅለ ነቲ ግዚያዊ መንግስቲ ይምርሓዮ ዝብል ሕቶን እዩ ብ15 ሚያዝያ 2023 ኲናት ከም ዝለዓል ዝገበረ ።
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቤት ምኽሪ ጸብጻብ ኣብ 2025 ናይ SAFFን ናይ RSFን ተሓተቲ እዮም ብማለት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቀጥታውን መጠነ ሰፊሕን መጥቃዕቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ንድሕነት ዝኸውን ኣገዳሲ ትሕተ ቅርጺ ማለት ማእከላት ሕክምና ፣ ዕዳጋታት ፣ መግቢን ማይን ከምኡ 'ውን ናይ ምፍንቓል ካምፕታት ኣዕንዮም ክብል ንኽልቲኦም ጉጅለ ገበነኛታት ከምዝኾኑ ከሲሱ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ድማ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነጻ ኣህጉራዊ መርማሪ ሓቂ ተልእኾ ናይ ሱዳን ፡ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ብ ሰራዊት RSF ኣብ ዝተኸበቡሉን ዝተታሕዙሉን "ጃምላዊ ቅትለት" ተፈጺሙ ክብል ጸብጺቡ።
ሰራዊት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ RSF ነቲ ምርመራ ብቐጥታ ኣይመለሰሉን ፡ ግን ነቲ መግሃስቲ ንዝብል ክሲ ኣቐዲሙ ነጺግዎ እዩ ፡ - እቲ ጸብጻባት ብጸላእቱ ከምዝተመስረሐን ኣንጻሮም ክሲ ከምዝመስረተን ይገልጽ ።
እቲ ፕሮግራም ሰራዊት ሱዳን (SAF) ኣቐዲሙ 'ውን ንሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ይገብር ኣሎ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ' ዩ ።
ምክፍፋልን ምፍንቓል ሓፋሽን
እቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ገፊሕ ከባቢታት ከፊልዋ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ሰራዊት ሕጹጽ ደገፍ RSF ንምዕራብ እታ ሃገር ዝተቖጻጸረ ኮይኑ ናይ ሰራዊት ሱዳን SAF ድማ ንምብራቕ ተቖጻጺሩ ይርከብ። ነዚ ምኽፋል እታ ሃገር ምጽጋን ከምዘይከኣል ክኢላታት ይገልጹ ።
ናይ ደቡብ ሱዳን ጋዜጠኛን ናይ ቀደም ናይ መንግስቲ ሚንስትርን ኣቶም ያቅ አተም ን SBS ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ውግእ "ቅርጺ ናይታ ሃገር ንሓዋሩ ቀይሩ" ኣሎ ።
"ስለዚ ፡ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ወይ ተሪፎም ኣለዉ ፣ ብዙሓት እውን ኣይኪምለሱን እዮም ። እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረ ንሕና ንፈልጦ ሱዳን ተበታቲኑ "ሎ ።
ው.ሕ.ሃ. ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሱዳን ከባቢ 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ሃዲሞም ከም ዘለዉ ይግምት ።
ኣህጉራዊ ኮሚተ ድሕነት ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ካብ መነባብርኦም እተመዛበሉ ፡ ዶባት ሰጊሮም ፡ ብቐንዱ ከኣ ናብ ግብጺ ፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ከም ዝኸዱ ግምታቱ ይህብ ።

ው.ሕ.ሃ. ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር RSF ንምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማለት ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝነብሩ ሰባት ኣዝዩ ከቢድ ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ይግምት ።
ካብቲ ማሕበር ዝወጸ ካርታ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብ ዞባ ማእከላይ ኮርዶፋን - ብ RSFን SAFIን ተበታቲኹ ዝርከብ ክሊ ፡ ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተ ኰነ ፡ መጠን ቀረብ ግን ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ ።
እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ኣል-ፋሸርን ኣብ ከባቢ ምዕራብን ዝኸበደ እዩ ይብል ኣቴም። እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ድማ ናይ RSF ጭካነን "ጽንተት ዓሌት/ ጂኖሳይድን" እዩ ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ዝርከብ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ዝርከብ ግዝኣታት ውሑስን ብዙሕ ጉድኣት ዘይወረዶ ይመስል ይብል ኣቴም ።
ንሱ ከምዝበሎ ፡ እቲ ሰራዊት ሱዳን SAF, ጎነጽ ዝተሓወሶ እኳ እንተኾነ ፡ ንሰላማውያን ሰባትን ትሕተ ቅርጽን ግን ብተዛማዲ ዝወሓደ ዒላማ ዝገበረ ይመስል ።
ኣብ ምዕራብ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ፡ መብዛሕትኦም ናብ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ግዒዞም እዮም ፣ ክምለሱ እውን ኣይክእሉን እዮም ።
እቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ካብ SAF ዝቈጻጸሮም መሬት ዝሃደሙ ፡ መብዛሕትኦም ናብ ግብጽን ሊብያን ከይዶም እዮም ፣ ብኣረኣእያ ኣቴም ከኣ ፡ ዋላ እቲ ዉግእ ደው እንተበለ ኣብ ሱዳን ዳግም ክምለሱ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ ።
"ዋላ ሰላም እንተ ኣጋጠመ ፡ ሱዳን ከም ቀደማ ኣይክትከውንን እያ ፡ እታ ሃገር ተመቓቒላ እያ።" ኢሉ ።
ሕጽረት ምወላ
ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ካብዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ዝድግፋ ኣብ ቻድ ዝርከባ ትካላት ረድኤት ፡ ኣብ ከም መግብን ማይን ዝኣመሰለ ህይወት ዘድሕን ረዲኤት ፡ ኣህጉራዊ ወፈያ ኣዚዩ ጎዲሉ ከምዘሎ ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ከምኡ "ውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ናይ $428 ሚልዮን ዶላር) ሕጽረት ክማላእ እንተዘይክኢሉ ተወሳኺ ሕጽረት ኣሰራርሓ ከምዝኽተል ሓቢሮም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም ።
ካንትሪ ዳይረክተር WFP ቻድ ዝዀነት ሳራ ጎርደን-ጊብሰን ፡ "በዚ ዘለና ልዕሊ ፍርቂ እቲ ዘድልየና ዓቕሚ ፡ ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ሰባት እኹል ምግቢ ኸነቕርበሎም ኣይንኽእልን ኢና" በለት ።
"በዚ ከኣ ሰባት፡ ከቢድ ናይ ምንባር ስትራተጂ ንኺሕዙን ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ንኼውድቑን ኸገድዶም እዩ ።"
ናይ ዓለም ቪዥን ኣውስትራሊያ ፡ ግራንት ባይልደን ከምዝበሎ፡ ሱዳን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ዝኾነ ናይ ህጹጽ እዋን ዘድልያ ሃገር ኮይና ኣላ ኢሉ ።
እዚ ጉጅለ ንሚልዮናት ሱዳናውያን መግቢ ፡ ማይን ካልእ ኣገዳሲ ኣገልግሎታትን ዝህብ ኮይኑ ፡ ናይ ምወላ ሕጽረት የጋጥሞ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ካብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ ናይ ምወላ ሸቶ 16 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ረኺቡ ዘሎ።
ባይልደን ኣብ መግለጺኡ "ኣውስትራልያን ካልኦት ለገስቲን ብጃምላ ሰባት ንኸይሞቱን ሕማም ንኸይስዕቦምን ዝሕግዝ ንእሽቶ መስኮት ኣለዎም ፡ እንተኾነ ግን እቲ መስኮት ብቕልጡፍ ይዕጾ ኣሎ" ኢሉ ።
"10.5 ሚልዮን ሱዳናውያን ቈልዑ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ናብ ክፍሊ ኣትዮም ክመሃሩ ኣይኣተዉን ። 800,000 ዝዀኑ ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝደኸሙ ፡ ፍሉይ ሕክምና እንተ ዘይረኺቦም ፡ ብህይወት ኣይነብሩን እዮም ። ጥሜት ናይ ርሑቕ መጠንቀቕታ ኣይኰነን ። ኣብ ምድሪ ፡ ኣብ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ከኣ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ ። "
ው.ሕ.ሃ.: ዎርልድ ቪዥን: ከምኡውን ካልኦት ነቲ ኣብ ጸገም ትርከብ ሃገር ዝወሃብ ናይ ደገፍ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ናይ 2.9 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ (4.1 ቢልዮን ዶላር) ከዕብዩ ይደልዩ ኣለዉ ።
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

