ሓያል ጎነጻዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ኣድመኛታት ተኸቲሉ ኣገልግሎታት መርበብ ሞባይል ድሕሪ ምቁራጾም ድሕሪ ሓደ ሰሙን መራኸቢታት ኢንተርነት ቴሌፎን ኣብ ሱዳን ብፍላይ ሶኑይ ተቛሪጾም ከምዝነበሩ መርበብ ሓበሬታ ቴሌኮም ኢኮኖሚክ ታይምስ ዝዘርግሖ እዚ ዜና ኣረጋጊጹ። መስመራት ኢንተርነት ካብ ቀንዲ ወሃቢ ኣገልግሎት ናይ'ታ ሃገር ዝኾነ ሱዳቴል ሶኑይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካርቱም ምስራሕ ደው ኣቢሎም ክብል ሓደ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ገሊጹ፡ እዚ ምቁራጽ ከኣ ንኤምባሲታት፡ መዘናግዒ ሆቴላትን ቤትጽሕፈታትን ኣሸጊርዎም ኣሎ። መርበባዊ ጸጥታ ዝከታተል ትካል ኔትብሎክስ እቲ ዳርጋ ፍጹም ምዕጻው ዝጀመረ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ'ዩ ክብል ሓቢሩ። "እዚ ንፈለማ ግዜ'ዩ ሱዳቴል ኩሉ ነገር ኣብ'ታ ሃገር ክዓጽዎ" ክብል ኣፈኛ'ቲ ትካል ከምዝገጸ መርበብ ቴሌኮም ኣስፊራ። እቲ ኣፈኛ ብተወሳኺ እቲ ምዕጻው ምሉእ ምዕጻው ማእከላት ዳታ/ዳታ ሰንተርስ ዘይኮነስ ዝያዳ ከም ዲጂታላዊ ምዕጻው ኩሎም መስመራት'ዩ ድሕሪ ምባል እቲ ቀዳሞት ምልክታት ኣንፈት ምዕጻው ዝተዓዘበ ግን ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ'ቲ ሰሙን ወይ ቀዳመ ሰንበት'ዩ ክብል ወሲኹ።
እዞም ምቁራጻት ዝመጹ ዘለዉ ሃገራዊ ሲቪላዊ እምቢታ ኣንጻር'ቲ ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ካብ ዝጅመር ካልኣይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘሉ'ዩ። ኣወሃሃድቲ ኣድማ እቶም ጀነራላት ስልጣን ንህዝባዊ መንግስቲ ክሳብ ዘረክቡ እቲ እምቢታ ክቕጽል'ዩ ኢሎም። እዚ ናይ ሕጂ ጎስጓስ ዝጀመረ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኮፍ ኢሎም ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ካርቱም ኣድማ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ዝተወስደ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ተስፋ ስሉጥ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲ ከምዝቕህም ድሕሪ ምግባሩን ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ሰሙን'ዩ። ኔትብሎክስ ከምዝብሎ እዚ ናይ ሕጂ ምዕጻው ኢንተርነት ካብ'ቶም ኣብ ግዜ በሺር ዝትግበሩ ዝነበሩ "ዝለዓለ ደረጃ ምውህሃድ ዝነበሮም" ምዕጻዋት ፍልይ ይብሉ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ንርእዮ ዘለና እቶም ኔትዎርክታት ይዕጸዉ'ሞ ቀስ እናበሉ ኸኣ ይምለሱ ክብል ኔትብሎክስ ብመንገዲ ኣፈኝኡ ገሊጹ።
ኣቐዲሞም ወሃብቲ ኣገልግሎት መርበብ ሱዳን ዝኾና ሱዳተል፡ ዘይንን ኤምቲኤንን ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዓጺየንኦ’የን። ብፍላይ እቲ ናይ ሶኑይ ዓፈና ዝመጽእ ዘሎ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ዛሊንገይ፡ ዳርፉር፡ ሰባት ቀቲሎም ተባሂሉ ጽንጽንታ አብ ዝስመዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ሓደ ኣፈኛ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ እቲ ምዕጻው ኢንተርነት ንውሱን እዋን ጥራይ’ዩ ኢሉ ንጹር ዝኾነ ናይ ግዜ ቀመር ግን ኣይሃበን። እዚ ናይ ሶኑይ ምዕጻው ተወሲኽዎ ኸአ ሱዳናውያን ኣብ ነንሓድሕዶምን ምስ ዓለምን ዝራኸብሉ መንገድታት ስለዝተዓጽወ ካልእ ኣገባባት ከናድዮ ይግደዱ’ለው። ሓደ ካብ ታሕሳስ ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ህዝባዊ ኣድማታት ዝሳተፍ ዘሎ ሙዛን ኣልኒል ዝተባህለ ወዲ 33 ዓመት ሜካኒካል ኢንጂነር ‘ሰባት ሕጂ ምንቅስቓሳቶም ክድርቱ ይፍትኑ ኣለው… ሓበሬታታት ዝለዋወጥሎም ከኣ ሓደሽቲ መሳርሒታትን ኣገባባታትን (ቱልስ) ይፈጥሩ’ለው’ ክብል ንፋይናንሻል ታይምስ ሓቢሩ። ካልኦት ተጣበቕቲ ዝገለጽዎም ህዝቢ ዝጥቀመሎም ኣገባባት በብኮሚተ ወይ ጉጅለታት ማሕበረሰብ ሓደ ከባቢ እናተመቓቐሉ ሓበሬታት ብኣካል ይለዋወጡ፡ ነቶም መግብን ፋይናንሳዊ ሓገዝን ዘድልዮም ሰባት ዘድልዮም የማልእሎም፡ ኣብ ጎደናታት ከኣ ብቐጻሊ ኬላታት ይሰርሑ። ካብ ጎረቤት ናብ ጎረቤት እናኸዱ’ውን ድሕነት ይረኽቡ፡ ቅድሚ ሕጂ ረኺቦሞም ዘይፈልጡ ጎረባብቶም ከኣ ይፋለጡን የዕልሉን። እዚ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ብቐጻልን ንነዊሕ እዋን ክቃወምዎን ሓጊዝዎም ይርከብ። መልእኽታት ክለዋወጡ እንከለው ኣብ ክንዲ ብኢንተርነት ብመርበብ ርክባት ሞባይል (ሴሉላር) ይጥቀሙ፡ ፈለማ ሓደ/ሓንቲ ን20 ሰባት፡ እቶም ዝተቐበሉ 20 ከኣ ንኻልኦት 20 እናገበሩ ይዝርግሕዎ ክብል እቲ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
*******************************************************
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቆጸራ ህዝቢ ብምኽንያት ስግኣታት ጸጥታ ንኻልኣይ ግዜ ዝሓለፈ ሶኑይ ንኻልእ ግዜ ክመሓላለፍ ወሲኑ። እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንዝካየድ ፈላማይ ምርጫ ዘድልዮ ቀረባት ሎጂስቲክስ ከማህምኖ ተኽእሎ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ’ያ፡ እዚ ኣቐዲሙ ካብ 2017 ሓንሳብ ተመሓላሊፉ ዝነበረ መስርሕ ቆጸራ ህዝቢ ናይ ምርጫ ከባቢታት ኣብ ምጥራር ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ተግባር’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ክልቲኡ ገዛውቲ ዘለው ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብኣብዝሓ ድምጺ ደጊሙ ብሓደ ዓመት (ናብ 2020) ክናዋሕ ኣድሚጾም ኣለው። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ከአ ብመሰረት ኣሃዛት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት 2.4 ሚልዮን ዘመዛበለ እናበኣሰ ዝኸደ ብሄር ተኮር ግጭታት’ዩ።
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋየ ዳባ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሃገርና ህዝብና ክሳብ ሕጂ ተመዛቢሉ’ዩ ዘሎ። እዚ ኩነታት እናሃለወካ መስርሕ ቆጸራ ህዝቢ ኣብ’ዚ ዓመት ከተካይድ ጽቡቕ ሓሳብ ኣይመስለንን’ ክብል ሓቢሩ። ብመሰረት መርበብ ኣፍሪካ ኒውስ ዘውጽኦ እዚ ዜና ካብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ዝኾነ ዊልያም ዳቪሰን እዚ ውሳነ ምቅርራባት ንምርጫ ከሰናኽሎ ይኽእል’ዩ ኢሉ። “ምድላዋት ንምርጫ ዶንጊዮም’ዮም ዘለው፡ ሰለ’ዚ እዚ ምናልባት እቶም ምርጫታት’ውን ንንየው ክድፍኡ ወይ ክደናጎዩ ከምዝኾኑ ዘመላኽተና ካልእ ነገር’ዩ” ክብል ትዕዝብቱ ገሊጹ። እዚ ከም’ዚ እናሃለወ እቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንጽላት መራኸቢታት/ቴሌኮም ሰክተር ናብ ብሕቲ ንምስግጋሩ ዝእምም ሓደ ሕጊ ክትዓት ክግበረሉ ተመዲቡ ዝነበረ ንሓሙስ ኣመሓላሊፍዎ። ብኻልእ ወገን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ውሕስነት ናይ’ቶም ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዝካየዱ ዘለው ሃገራውያን ፈተናታት ንምሕላው ቀረብ ኢንተርነት ከምዝዓጸውዎ ንጉጅለ ተጣባቒ መሰላት ኢንተርነት ኔትብሎክስ ብምጥቃስ መርበብ ኣፍሪካኒውስ ጸብጺቡ።
*******************************************************
ልዕሊ 100 ኣፍሪቃውያን ደረስትን ተጣበቕቲ መሰላትን ፕረዚደንት ኤርትራ መረታውያን ነጻነታት ክኸላኸልን ኣብ’ታ ‘ካብ ኣህጉርና ኣዝያ ዝተዓጽወት ሕብረተሰብ’ ፖለቲካዊ ተሃድሶታት ከበግስን መጸዋዕታ ኣቕሪቦምሉ። እዚ ቅሉዕ ደብዳበ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ገሊኦም ቤተሰቦም ቀጻሊ ክበጽሕዎም ዝተኸልከሉ ወሲኽካ፡ ኣብ ማእሰርቲ ተጣበቕቲ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ብፍሉይ ሻቕሎቱ ይገልጽ። ሓደ ልኡኽ ናይ’ቶም ክታሞም ኣብ’ቲ ቅሉዕ ደብዳበ ዘንበሩ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ክገብር ክፍቀደሉ ኣለዎ ክብል እቲ ጽሑፍ ገሊጹ።
ናይ ኖቤል ተሰላሚ ዝኾነ ናይጀርያዊ ዎሌ ሶዪንካን ጎስጎስቲ ደሞክራሲ ዝኾኑ ከም በዓል ኬንያዊ ቦኒፈይስ ምዋንጊ ገለ ካብ’ቶም ክታሞም ኣብ’ቲ ቅሉዕ ደብዳበ ዘንበሩ’ዮም። ብመሰረት እዚ ኣብ መርበብ ማይማዘርሎድ.ኮም ዝተዘርግሐ እዚ ዜና ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ወይ ርእይቶ ክርከብ ኣይተኻእለን።

