SKIP TO MAIN CONTENT

ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሱዳን ተኻይዱ: ኣብቲ ዝተገብረ 'ፍሹል ውዲት' እተሳተፉ ጥርጡራት ይቕረሙ

ሰበስልጣን ሱዳን እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ክሕብሩ ከለው ፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ሱዳን ብወገኑ ነቲ ፈተነ "ክቃወሞ" ንህዝቢ ጸዊዓ ፡ ተወሳኺ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ግን ኣይሃበትን ። "ኵሉ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እዩ ። እቲ ሰውራ ዕዉት እዩ "ይብል ሱሌማን ኣባል ናይ ገዛኢ ወተሃደራዊ-ሲቪል ባይቶ ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ ። ንሱዳናውያን እውን ነቲ ምስግጋር ክከላኸሉሉ ጸዊዑ ።

News
Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ሰበ-ስልጣን ሱዳን ፡ ነቲ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝኣተወን ፡ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተሳተፉ ጥርጡራት መርመራ ክግበረሎም ዝጀመረሉ ምኽንያት ፡ እቲ ሰራዊት፡ውን መግለጺ ክህብ ምዃኑ ኣፈኛ መሓመድ ኣል-ፋቂ ሱሌማን ገሊጹ።

ሱዳን ነቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣብታ ሃገር ንነዊኅ ዓመታት መራሒ ዝነበረ ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንነጀው ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ጃምላዊ ተቓውሞታት ብምስጋርያ፡ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ትሰጋገር ዘላ ።

እታ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ብሓባራዊ ሲቪላውን ወተሃደራውን መንግስቲ ትምራሕ ኣላ ፣ እዚ ድማ ንቁጠባውን ጸጥታውን ብድሆታት የጋድዶ ኣሎ ።

ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራት ነቲ ዕልዋ ክገብሩ ከምዝፈተኑን ብዙሕ ትካላት መንግስቲ ተቖጻጺሮም ከምዝነበሩን ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ፡ መራኸቢ ብዙሃን ሓጺር ሓበሬታ ክህብ ስልጣን ስለ ዘይተዋህቦ ፡ ብዙሓት ወተሃደራት ፡ እንተላይ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now