ሰበ-ስልጣን ሱዳን ፡ ነቲ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝኣተወን ፡ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተሳተፉ ጥርጡራት መርመራ ክግበረሎም ዝጀመረሉ ምኽንያት ፡ እቲ ሰራዊት፡ውን መግለጺ ክህብ ምዃኑ ኣፈኛ መሓመድ ኣል-ፋቂ ሱሌማን ገሊጹ።
ሱዳን ነቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣብታ ሃገር ንነዊኅ ዓመታት መራሒ ዝነበረ ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንነጀው ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ጃምላዊ ተቓውሞታት ብምስጋርያ፡ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ትሰጋገር ዘላ ።
እታ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ብሓባራዊ ሲቪላውን ወተሃደራውን መንግስቲ ትምራሕ ኣላ ፣ እዚ ድማ ንቁጠባውን ጸጥታውን ብድሆታት የጋድዶ ኣሎ ።
ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራት ነቲ ዕልዋ ክገብሩ ከምዝፈተኑን ብዙሕ ትካላት መንግስቲ ተቖጻጺሮም ከምዝነበሩን ገሊጹ።
እቲ በዓል ስልጣን ፡ መራኸቢ ብዙሃን ሓጺር ሓበሬታ ክህብ ስልጣን ስለ ዘይተዋህቦ ፡ ብዙሓት ወተሃደራት ፡ እንተላይ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ ።