SKIP TO MAIN CONTENT

"መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ኤርትራ ተተኣናግዶ ዝርርብ ሰላም ኣይትሳተፍን'ያ።" ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዋዕላ ንምስታፍ ካብ ወገን መንግስቲ ገለ ተሳተፍቲ ንኽለኣኹ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ብወረቐት ተሓቲቱ፡ እንተኾነ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ነዚ ሕቶ እዚ ምላሽ ኣይሃበሉን ፣ እዚ ተነጺጉ ማለት እዩ" ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኣል-ሳዲቕ ።

Ali Al Sadiq
Credit: Beyene Weldegiorgis

2 min read

Published

Source: SBS, Tribune News Service


Skip to article content

ሱዳን ኣብ ጉዳይ ምብራቓዊ ሱዳን ብኤርትራውያን ዝተዳለወ ኣኼባ ክትሳተፍ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓሊ ሳዲቕ ብዓርቢ ን ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ ።

ሰበ ስልጣን ሱዳን ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት ፣ መራሕቲ ፖለቲካን ቀቢላን ዶብ ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ከልኪሎም ኣለዉ። ካብ ካርቱም ንዝመጸ ምብጻሕ ፍቓድ ዝህብ ቪዛን መምርሒን ከምዘይብሎም ብምጥቃስ ናብ ኤርትራ ንምኻድ ከምዘይተፈቕደሎም ጠቒሶም ።

ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብኣል-ኣሚን ዳውድ ዝምራሕ ጕጅለ ህዝባዊ ግንባር ንሓርነትን ፍትሕን ግን ፡ እቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ብመገዲ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣቢሉ ንመንግስቲ ሱዳን ከም ዝሓበሮ ገሊጹ ።

"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዋዕላ ንምስታፍ ካብ ወገን መንግስቲ ገለ ተሳተፍቲ ንኽለኣኹ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ብወረቐት ተሓቲቱ" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኣል-ሳዲቕ ን ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ ።

ኣስዕቡ ፡ "ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ነዚ ሕቶ እዚ ምላሽ ኣይሃበሉን ፣ እዚ ተነጺጉ ማለት እዩ" በለ ።

እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሱዳን ፡ እቲ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝቐረበ ሕቶ ፡ ዝርዝር እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ መራሕቲ ምብራቓዊ ሱዳን ከም ዘየጠቓልል ከምዝኾነ ሓቢሩ ።

"ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ብዛዕባ እዚ (ዝርዝር) ኣፍልጦ ኣይነበሮን" በለ ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ፡ ኣል-ቡርሃን ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ቀቢላዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዋዕላ ሰላም ንኽቕበል ንምእማን ፡ ቅድሚ እዚ ዓመት እዚ ናብ ካርቱም ብተደጋጋሚ ከይዱ እዩ ።

ይኹን እምበር: መሪሕነት ኤርትራ ነቶም ኣብ ስምምዕ ሰላም ጁባ ዝነበሩ ጕጅለታት ከይሓወሱ ነቲ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ዝኽሰስ ዳውድ ዝመርሖ ኣብቲ ስምምዕ ዘይፈረመ ጉጅለ ዝዓደመሉ ምኽንያት ንጹር ከምዘይኮነ'ዩ መንግስቲ ሱዳን ዝኸስስ ።

ብዘይካዚ ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ስምምዕ ሰላም ምስ ናይ ቀደም ስርዓት ሱዳን ብ2006 ዝፈረመ ፡ ፕረዚደንታዊ ተሓጋጋዚ ኰይኑ ዘገልገለ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ እውን ተዓዲሙ እዩ ።

መራሒ ቀቢላ ሃዳንዳዋ ዝነበረ መሓመድ ኣል-ኣሚን ተሪክ ፡ ብሙሳ- ደገፍ ስለ ዝነበሮ ፡ ነቲ ምስ ምብራቓዊ ሱዳን እተገብረ ስምምዕ ሰላም ጁባ ተቓዊምዎ እዩ ። እቲ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጸ ኣመሓዳሪ በኒ ዓምረ ስለ ዝዀነ እውን ፡ ነቲ ብሲቪላዊ መንግስቲ እተሸመ ኣመሓዳሪ ይጻረርዎ እዮም ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now