ህዝቢ ካብ ሱዳን ምህዳም ይቕጽል ኣሎ።

"እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ እኳ እንተ ነበረ ፡ ካብኡ ወጺእና ናብ ፖርት ሱዳን ክንመጽእ ዝኸኣልና ኣምላኽ ይመስገን ።"

EGYPT SUDAN CONFLICT

Passengers fleeing from Sudan arrive at the Argeen land port, Egypt 27 April 2023. EPA/KHALED ELFIQI Source: EPA / KHALED ELFIQI/EPA

ዜጋታት ሱዳንን ካልኦት ዜጋታትን ፡ ካብቲ ዝግበር ዘሎ ግጭት እታ ሃገር ንምህዳም ፡ ብዓርቢ (28 ሚያዝያ) ናብ ፖርት ሱዳን ምውሓዝ ቀጺሎም ።

ነቲ ብሰራዊት ክልቲኡ ወገናት ዝተኣወጀ ን72 ሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ምንዋሕ ዕሽሽ ብምባል ፡ ንናይ ሱዳን ርእሰ ከተማ ካርቱምን ነታ ኣብ ጥቓኣ ትርከብ ከተማ ባሕሪን ፡ ብነፈርቲ ፡ ታንክታትን መዳፍዕን ምትዃስ ቀጺሉ።

ብ15 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሰራዊት ህጹጽ ደገን [RSF] ብዝተኻየደ ሓያል ቃልሲ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ህይወቶም ንምድሓን ሃዲሞም እዮም ።

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ እንተ ወሓደ 512 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ኣስታት 4,200 ቈሲሎም ኣለዉ ፣ እቲ ቝጽሪ ካብዚ ኣዝዩ ከም ዝዛይድ እዩ ዝሕብር ።

ሱዳናዊ ተማሃራይ ማሳዓድ ዓብደል ራሕማን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ይገልጽ ።

"ኣብ ጐደና ኣል-ሰቲን ንኣስታት ሸውዓተ መዓልቲ ዝኸውን መግቢ: መስተ: ኤለክትሪክ ወይ ማይ ኣብ ዘይብሉ ኣብ መንጎ እቶም ተቐርቂሮም ዝነበሩ ሰባት ሓደ እየ ነይረ ። እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ እኳ እንተ ነበረ ፡ ካብኡ ወጺእና ናብ ፖርት ሱዳን ክንመጽእ ዝኸኣልና ኣምላኽ ይመስገን ። እቲ መገዲ ቁሩብ ከቢዱና ኔሩ እንተኾነ ነገራት ጽቡቕ ኔሩ ኣብኡ ድማ በጺሕና ። ከም እትርእዮ ዘለኻ ፡ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ንዓና ዝኸውን ነገራት የሳልጠልና እዩ ዘሎ። "



Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ህዝቢ ካብ ሱዳን ምህዳም ይቕጽል ኣሎ። | SBS Tigrinya