ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሕምዶክ ካብ ፈተነ ቅትለት ኣምሊጡ።

ናይ ሱዳን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ካርቱም ቅትለት ተፈቲንሉ ከምዘምለጠ ናይ ሱዳን ተለቪዥን ኣፍሊጡ።

Prime Minister Abdalla Hamdok.

Prime Minister Abdalla Hamdok. Source: AP

ናይ ሱዳን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ካርቱም ቅትለት ተፈቲንሉ ከምዘምለጠ ናይ ሱዳን ተለቪዥን ኣፍሊጡ።

"ን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ተተኩሱላ። ንኣምላኽ ምስጋና ይብጽሓዮ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተተንከፈን።’ ክብል ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ በኺት ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ዉሑስ ቦታ ከምተወስደን ነቲ ፈተነ ቅትለት ዝፈጸመ ሓላፍነት ዝወሰደ ከምዘየለውን ተፈሊጡ።

ብ ኦንላይን ተዘርጊሑ ኣብዘሎ ስእሊታት ክልተ ጸዓዱ ናይ ሰብ መዚ መኻይን መስኮታተን ተሰባቢሩ ኣብ ጽርግያ ተጸጊዐን ካልእ መኪና ድማ በቲ ዝተተኮሰላ ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዋ ትርአ።

እቲ ፍሉጥ ናይ ቁጠባ ምሁር ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝሓለፈ ዓመት ዝተሾመ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ንኣስታት 30 ዓመት ንሱዳን ዝገዝ አ ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ምስተኣልየ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ  ኣብ 1956 ኣብ ደቡባዊ ማእከል ኮርዶፋን ዝተወልደ ኮይኑ ናይ 30 ዓመታት ተመክሮ ዘለዎ ኪኢላ ቁጠባ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዘገልገለ እዩ።


1 min read

Published




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now