ኣብ ሱዳን ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ሓይልሉ ኣብዘለዎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ናብ ቦታኡ ንኽምለስ ምስ ሰራዊት ሃገሩ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ ፡ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ ጸኒሑ ።

People chant slogans during a protest to denounce the October 2021 military coup, in Khartoum, Sudan.

People chant slogans during a protest to denounce the October 2021 military coup, in Khartoum, Sudan. Source: AAP

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፡ እቲ ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ከምሳዕቤኑ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ክልተ ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ፡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ኣፍሊጡ ኣሎ ።

ሚስተር ሓምዶክ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ኣብ እትገብሮ ዘላ ፖለቲካዊ መስርሕ ሓድሽ ስምምዕ ንምምጻእ ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘድሊ ገሊጹ ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንኽልተ ተቓወምቲ ቀቲሎም ፡ ብመሰረት ማእከላይ ሰልፈኛታት ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣንጻርቲ ዝንስነሰሎም ዝነበረ ዘንብዕ ጋዝ መኪቶም ተቓዉሞኦም ይቕጽሉ ኣለዎ። ከቢድ ወታሃደራዊ ምፍርራሕን ምቁራጽ ናይ ቴሌኮሚኒኬሽን እንተሎኳ ህዝቢ፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ምጥላቦም ይቕጽሉ ኣለዉ ።

People chant slogans during a protest to denounce the October military coup in Khartoum, Sudan.
People chant slogans during a protest to denounce the October military coup in Khartoum, Sudan. Source: AAP

ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 25 ዕልዋ መንግስቲ ብወታሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝተገብረ ዕልዋ ብምቅዋም ፡ "ስልጣን ንህዝቢ" ብምባል ጨዲሮም ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ድፋዓቱ ክምለስ ክሓቱ ከለዉ ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኣብ ማንታ ከተማ ኦምዱርማን ዝርከብ ቤተ-መንግስትን ተቓውሞታት ምክያዶም ቀጺሉ።

ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ዕልዋ መንግስቲ ዝነበረ ስሩዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምቕጻሉ፡ ሰበ-ስልጣን ፡ መገዲ ኣጋር ዓጽዮም ፡ ኣብ መንጎ ርእሰ-ከተማን ከባቢአን ዝርከብ ድንድላት ፈለግ ኒል ንምዕጋት ዘገልግል ኣቕሑ እውን ኣቚሞም እዮም ።

ኰይኑ ግና ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ "ንዝኽሪ ሰማእታት" ምኽንያት ጌሮም ወጺኦም እዮም ፣ ድሕሪቲ እተገብረ ፈተነ ዕልዋ፡ እንተ ወሓደ 56 ተቓወምቲ ተቐቲሎም እዮም ።

'ኣይፋል ንወተሃደራዊ ስርዓት'

ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ዘለዋ ሱዳን ፡ ካብ 2019 ኣትሒዛ ፡ዉልቀ መላኺ ዖማር ኣል-በሽር ፡ ድሕሪ ብዙሕ ተቓውሞታት ምዕላዉ፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ተነቃፊ ጉዕዞ ከተካይድ ጸኒሓ እያ።

እንተኾነ እታ ሃገር ድሕሪ ምዕላው በሽር ናብ ስልጣን ዝደየበ ቡርሃን ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዘእትዋ ንደሓር ፡እታ ሃገር ኣብ ህውከት ተሸሚማ ትርከብ ።

ሚስተር ሓምዶክ ብ21 ሕዳር ናብ ስልጣኑ እኳ እንተ ተመልሰ ፡ ጀነራል ቡርሃን ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ዲሞክራሲ ንምምራሕ ዝኣተዎ መብጽዓን ከምዘይክእል ተሓሲቡ ፡ ህዝቢ ብዙሕ ተቓውሞታት ቀጺሉ ኣሎ።

ብሓሙስ ኣብ ካርቱም ሽዱሽተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት "ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኣይግዛእን" ኢሎም ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ዝርእይዎ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም ።

'ዓመተ ዘይተጻዓድነት'

ቡርሃን እቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ "ዕልዋ መንግስቲ ኣይነበረን" እኳ እንተ በለት ፡ "ነቲ መሰጋገሪ መገዲ ንምእራም" ግና ድፍኢት ከም እተገብረሉ ገሊጹ።

ብዓርቢ ሓደ ኣማኻሪ: "እቲ ዝኸይድ ዘሎ ሰልፍታት" "ፖለቲካዊ ፍታሕ" ዘየምጽእ "ጕልበትን ግዜን ዜባኽን ምዃኑ ኣጠንቀቐ ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝንቀሳቀሱ ሰባት 2022 "ዓመተ ምቕጻል ዘይተምበርካኽነት ክትከውን እያ ይብሉ ።

ነቶም ካብ ዕልዋ መንግስቲ ኣትሒዞም እተቐትሉ ከምኡውን ነቶም ንኣዋርሕ ዝኣክል እተቐትሉ ልዕሊ 250 ዝዀኑ ሰባት ፍትሒ ክወሃቦም ይደልዩ ።

Sudan security forces fire tear gas to disperse anti-coup protesters during a demonstration in Khartoum on 30 November 2021.
Sudan security forces fire tear gas to disperse anti-coup protesters during a demonstration in Khartoum on 30 November 2021. Source: AAP

ተቃወምቲ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 19 ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ክቃወምዎ'ከለዉ ፣ ው.ሕ.ሃ. ብውሕዱ 13 ኣንስትን ኣዋልድን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ወይ ናይ ብጅምላ-ዓመጽ ግዳያት ከምዝኾና ኣብ ዝገለጸሉ ፣ ንጾታዊ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

ኅብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፡ "ጾታዊ ዓመጻ ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ተቓዉሞ ንኽርሕቓን ድምጸን ከየስምዓን መሳርሒ" ከም ዝዀነ ብምግላጽ ዝዅንን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ቀዳም ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ዋሽንግተን "ነቶም ንትምኒት ህዝቢ ሱዳን ብሲቪላዊ ዝምራሕን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ከምኡውን ተሓታትነትን ፍትሕን ሰላምን ንምንጋስ ዝጽዕሩ ሰባት ምላሽ ንምሃብ ተዳልያ ምህላዋ" ኣጠንቂቑ ።

ብመሰረት ጸብጻብ ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ልዕሊ 14 ሚልዮን ዝዀኑ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ሓደ ካብ ሰለስተ ሱዳናውያን ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሰብኣዊ ሓገዝ ኸድልዮም እዩ ፣ እዚ ከኣ ንዓሰርተ ዓመት ካብዝተራእየ እቲ ዝለዓለ ደረጃ እዩ ።

Additional reporting: Reuters


3 min read

Published

Source: AFP, SBS



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now