SKIP TO MAIN CONTENT

ሱዳን፡ እስላም ንዘይኮኑ ዜጋታት ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ከተፍቅድ እያ።

ብዘይካዚ ሱዳን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ግዝረትን ካልኦት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ዘኽእል ናይ ሕጊ ምምሕያሽ ከምትገብር ናይ ሱዳን ሚኒስተር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

SBS Tigrinya News
Source: SBS

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዝእግድ ሕጊ ነቶም  ኣስላም ዘይኮኑ ዜጋታት ነቲ ሕጊ ከተልዕሎ ምዃና ዶቸ ቬለ ጸብጺቡ።

ብዘይካዚ ሱዳን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ግዝረትን ካልኦት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ዘኽእል ናይ ሕጊ ምምሕያሽ ከምትገብር ናይ ሱዳን ሚኒስተር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ሱዳን ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ሱዳን ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 1983 እዩ ኣብ እዋን ናይ ቀደም ፕሬዚዳንት ጃዕፈር ኒሜሪ፡ ኣብ ሱዳን ኣልኮላዊ መስተ ብወግዒ ተኸልኪሉ።  ድሕሪ ዕልዋ ፕሬዚዳንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን፡ ኣብ ሱዳን ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ነታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ ንምምላስን ምስ ተቓወምቲ ናይ ሰላም ዝርርባት ኣብ ምግባር ይርከብ።

ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ሃይማኖቶም እስላም ዘይኮኑ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታዮም ገበን ዝኾነሉ ግዜ ከምዝሓለፈ  ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ነስረዲን ዓብዱልባሪ ኣብ ናይ ሱዳን ቴሌቪዥን ገሊጹ። እቲ ኣልኮላዊ መስተ ከይስተ ዝኽልክል ሕጊ ንተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ከምቲ ዝጸንሐ ከምዝቕጽል እቲ ሚኒተር ኣረጋጊጹ ኣሎ።  

መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት በብቕሩብ ምምሕያሽ ይግበረሉ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ናይ ኣዋልድ ቆልዑ ምግራዝን ካልእ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታተን ዝምልከት ለውጢ ክግበር ከምዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now