SKIP TO MAIN CONTENT

ኻርቱም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ጃንጃዊድ

ዝሓለፈ ሶኑይ ስጉምቲ ምብታን ኣድመኛታት ልዕሊ 30 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ፓራሚሊታሪ ሓይልታት ሱዳን ናብ ውሽጢ ኻርቱም እናኣተውን እናተቖጻጸርዎን ይመጹ'ለዉ ክብል ናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ እዚ ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ብኸቢድ ዝተዓጥቁ ኣባላት ፈጣን ወሃቢ ደገፍ ሱዳን ዘይሕጋውያን ኬላታት እናጽረዩን ናብ ኣየር እናተኮሱን ኣብ ከተማታት ኻርቱምን ቶምዱርማንን ተበታቲኖም ኣለዉ ይብሃል ኣሎ።

Empty streets in Khartoum
Source: AP

3 min read

Published



Skip to article content

ቁጽሪ ናይ’ቶም ዝሞቱ ሰባት ናብ 60 ደይቡ’ሎ ክብል ምስ’ቶም ተቓወምቲ ዝሰርሕ፡ ጉጅለ ሓካይም ኣፍሊጡ። ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ'ቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ብዙሓት ብዓለም ደረጃ ኩነኔ ዘኒብዎ'ዩ። ምስ'ቶም ኣድመኛታት በጺሕዎ ዝነበረ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘምርሕ ውዕል ሰሪዝዎ'ሎ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ መወዳእትኡ ምርጫ ዝካየደሉ ናይ ሰለስተ ዓመት መሰጋገሪ እዋን ክህሉ'ዮም ፈለማ ተሰማሚዖም ኔሮም። እንተኾነ ግን ሃንደበት ዝሓለፈ ሶኑይ እቲ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ ምርጫ ክካየድ'ዩ ኢሉ። እቶም ኣድመኛታት ዝማጎትዎ ዝነበሩ ርትዓዊ ምርጫ መታን ክህሉ ውሕስነት ክህብን ምስ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምትእስሳር ዝነበሮ ፖለቲካዊ መርበብ ንምብታንን ንውሕ ዝበለ ግዜ የድልየና ዝብል'ዩ። 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ሚስተር በሺር ዝሓለፈ ሚያዝያ ቅድሚኡ ክካየዱ ዝጸንሑ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተኸቲሉ ብወተሃደራት ተኣልዩ። እቶም ኣድመኛታት ኣብ ፊት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሱዳን ዝርከብ ሜዳ ኣል በሺር ቅድሚ ምውራዱ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ጀሚሮም ኮፍ ኢሎም ሒዞሞ ጸኒሖም። ብዙሓት ነበርቲ ኻርቱም ነቲ ናይ ሶኑይ ስጉምቲ ምብታን ኣድመኛታት ሓይልታት ወሃብቲ ፈጣን ደገፍ ፈጺሞሞ ብምባል ይኸሱ። እዚኦም ኣሃዱታት ፓራሚሊታሪ ቀደም ጃንጃዊድ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ኮይኖም ኣብ'ቲ ኣብ 2003 ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ዝጀመረ ውግእ ዳርፉር ብጭካነ ዝመልኦ ተግባራቶም ዝፍለጡ'ዮም። 

ሰራዊት ሱዳን በቲ ዝወሰዶ ጎነጻዊ ስጉምቲ ብዓለም ደረጃ ተኾኒኑ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ከም'ዚ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣንፈታት ወይ ምልክታት ተራዮምዮም። እታ ሃገር ኣብ ስልጣን ንሓዋሩ ክጸንሑ ብዝደልዩ ላዕለዎት ወተሃደራት ንድሕሪት ክትጉተት ጸኒሓ'ያ። እቲ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኸሪ ነቲ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ንነጻነትን ለውጥን በጺሕዎ ዝነበረ ስምምዕ፡ ነቲ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲያዊ ምርጫታት ዝያዳ ከቃላጥፎ'ዩ፡ ብምባል ሰሪዝዎ። እዚ መደብ ግን ዝያዳ ልቢወለድ ይመስል።

እቲ ሰራዊት ብተወሳኺ ካልእ ረብሓ'ውን ኣለዎ፡ ኣብ'ዚ ብዓለም ደረጃ ምክፍፋላት ዝበዝሖ እዋን ሓደ 'ኣህራዊ ማሕበረሰብ' ብሓደ ድምጺ ጸቕጢ ክገብረሉ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ'ዩ። ቅልውላው ሱዳን ነቲ ኣብ'ዚ እዋን ዘሎ ክውንነት ፖለቲካ ዓለም ተጋሂዱ ከምዝወጽእ ጌርዎ'ሎ፡ እቶም ቀተልትን ኣጋፋዕትን ንገለ ሓያላት ዝህብዎ ረብሓ ክሳብ ዝሃለወ፡ ሓይሊ ብዘይተሓታትነት ድላዩ ከምዝረክብ'ዩ። 

ተቓወምቲ ሓይልታት ንነጻነትን ለውጥን ድሕሪ ደጊም ኣብ ጎደናታት ብዝወጹ ህዝብታት ተደፋፊኡ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ኮይኑ ክቕጽል ድዩ ኢልካ ክትርእዮ ኣጸጋሚ'ዩ። ኣብ መንጎ ህዝብን መራሕቱን ዘሎ ፍልልይ ግን ዝያዳ ዕምቆት ወሲኹ ክቕጽል'ዩ። እቶም ኣድመኛታት እቲ ሰሉስን ሮቡዕን ዝበዓል ዒድ ኣልፈጥር እምቢታ ኣንጻር ወተሃደራዊ መሪሕነት መታን ክኸውን ኣብ ጎደናታት ክበዓል ጸዊዖም። ሰሉስ ግን ዝበዝሐ ክፋላት ከተማ ኻርቱም ኣብ ሓለዋ ኔሩ። ብሞባይል ዝተቐድሑ ቪድዮታት ወተሃደራት በብጉጅለ ኮይኖም ጎደናታት እናዞሩ ብኣእማን ዝተዃነዩ ኬላታት እናፍረሱን ናብ ሰማይ እናተኮሱን የርእዩ። ካብን ናብን ከተማ ኻርቱም ዝካየዱ በረራታት ተሰናኺሎም ኣለዉ። ኣብ'ታ ሩባ ኒል ተሳጊርካ እትርከብ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኦምዱርማን'ውን ብዝሒ ዘለዎም ብኸቢድ ዝተዓጥቁ ወተሃደራት ክኾሉ ውዒሎም ዝብሉ ጸብጻባት ኣለዉ። 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now