SKIP TO MAIN CONTENT

ሓይልታት ሱዳን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣል-ፋሻጋ ኣጥቂዖም

News
The Commander in Chief of the Sudanese army Abdel Fattah al-Burhan Source: AAP

1 min read

Published

Source: SUDAN tribune


Skip to article content

ሰራዊት ሱዳን ብሰሉስ ኣብ ዶብ ኣል ፋሻጋ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኢትዮጵያ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ፡ ሱዳን ትሪቡን ከምዘረጋገጾ ጸብጺቡ ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ መጥቃዕቲ ፡ ድሕሪ እቶም ብ22 ሰነ ብሓይልታት ኢትዮጵያ እተማረኹ ሸውዓተ ወተሃደራት ሱዳን ፣ ሬሳኦም ድማ ኣብ ጐደናታት ምስተደርበየን ፡ ስእሎም ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምዝርጋሑን'ዩ ኢሉ ።

ናይ ሱዳን ትሪቡን ሪፖርተር ካብ ጋዳረፍ ከምዝበሎ ሰራዊት ሱዳን ንካላ-ሊባን ሰፈራታት ባርካን ከምኡ 'ውን ንታባ ተስፋይ ኣዳዊ ኣብ ፋሻጋ ዳግም ተቖጻጺሮም ኢሉ።

ወሲኹ ድማ ፡ ሰራዊት ሱዳን ብዙሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝማረኸ ገለጹ ።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ዶብ ብዙሕ ዝተረፈ ንኣሽቱ ቦታታት የጽሪ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ ።

ሰኑይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ሱዳናውያን ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ክሊ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ብሚሊሻታት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ኔሩ።

ሰራዊት ሱዳን ግና ንሰራዊት ኢትዮጵያ'ዩ ነቲ መረሸንቲ ፈጺሞሞ ኢሉ ዝሶም ።

ኣዛዚ ሓለቓ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣብ ኣል-ፋሻጋ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ግብጺ ፡ ናብ ሱልጣን ዖማን ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ምስ ኣል-ቡርሃን ከም እተዘራረበን "ንሰማእታት ወተሃደራት ሱዳን ፡ ሓዘነይ እገልጽ" ክብል ገሊጹ ብምባል ፕረሲደንት ግብጺ ገሊጹ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now