ሓይልታት ሱዳን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣል-ፋሻጋ ኣጥቂዖም

News

The Commander in Chief of the Sudanese army Abdel Fattah al-Burhan Source: AAP

ሰራዊት ሱዳን ብሰሉስ ኣብ ዶብ ኣል ፋሻጋ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኢትዮጵያ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ፡ ሱዳን ትሪቡን ከምዘረጋገጾ ጸብጺቡ ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ መጥቃዕቲ ፡ ድሕሪ እቶም ብ22 ሰነ ብሓይልታት ኢትዮጵያ እተማረኹ ሸውዓተ ወተሃደራት ሱዳን ፣ ሬሳኦም ድማ ኣብ ጐደናታት ምስተደርበየን ፡ ስእሎም ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምዝርጋሑን'ዩ ኢሉ ።

ናይ ሱዳን ትሪቡን ሪፖርተር ካብ ጋዳረፍ ከምዝበሎ ሰራዊት ሱዳን ንካላ-ሊባን ሰፈራታት ባርካን ከምኡ 'ውን ንታባ ተስፋይ ኣዳዊ ኣብ ፋሻጋ ዳግም ተቖጻጺሮም ኢሉ።
ወሲኹ ድማ ፡ ሰራዊት ሱዳን ብዙሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝማረኸ ገለጹ ።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ዶብ ብዙሕ ዝተረፈ ንኣሽቱ ቦታታት የጽሪ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ ።

ሰኑይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ሱዳናውያን ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ክሊ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ብሚሊሻታት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ኔሩ።
ሰራዊት ሱዳን ግና ንሰራዊት ኢትዮጵያ'ዩ ነቲ መረሸንቲ ፈጺሞሞ ኢሉ ዝሶም ።

ኣዛዚ ሓለቓ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣብ ኣል-ፋሻጋ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ግብጺ ፡ ናብ ሱልጣን ዖማን ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ምስ ኣል-ቡርሃን ከም እተዘራረበን "ንሰማእታት ወተሃደራት ሱዳን ፡ ሓዘነይ እገልጽ" ክብል ገሊጹ ብምባል ፕረሲደንት ግብጺ ገሊጹ።


Share

Published

Source: SUDAN tribune

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service