SKIP TO MAIN CONTENT

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዓሪፉ

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ መዕረፊ ሆቴሉ እንከሎ ዓሪፉ።

Khartoum
Source: Wikipedia

1 min read

Published


Skip to article content

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ጀማለዲን ዑመር ከምዝዓረፈ ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ካብ ሱዳን ጸብጺበን። ንሱ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ንሱዳን ዝመርሕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣባል ኔሩ።

ክሳብ ህይወቱ ዝሓለፈትላ ኸኣ ከም ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ። እዚ ሌተናንት ጀነራል ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ናይ'ታ ሃገር ተቓወምትን ኣብ ደቡብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝገሸሉ ኣብ'ቲ ኣብ ከተማ ጁባ የዕሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል'ዩ ህይወቱ ሓሊፉ ሓዲሩ።

ንሱ ኣብ ዳርፉር፡ ደቡባዊ ዞባታትን ካልኦት ርሑቕ ከባቢታ ሱዳን ክሳብ ሕጂ ዝቕጽሉ ዘለው ውግኣትን ዕግርግራትን ንምፍታሕ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሮም ኣብ ዝተጀመሩ ተበግሶታት ሰላም መሪሕ ተራ ሒዙ ክጻወት ጸኒሑ'ዩ።

ድሕሪ ምማቱ ግን እዞም ዘተታት ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፉ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ፡ ሬስኡ ኸኣ ናብ ኻርቱም ኣማስይኡ (ሮቡዕ ምሸት) ክምለስ'ዩ ክትብል ኣገልግሎት ዜና ሱና ጸብጺባ።

ብሞት'ዚ ሓደ ካብ'ቶም ዝለዓሉ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሱዳን ዝነበረ ሰብ ግብጺ ቀዳመይቲ ተጠርጣሪት ኮይና'ላ። ካልኦት ምንጭታት ግን ብልቢ ድኻም'ዩ ዓሪፉ ክብላ የቃልሓ ኣለዋ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now